ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ!

ዓለምለኻዊ ዜሰምብድ ብረታዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓለምለኻዊ ዜሰምብድ ብረታዊ ዓመጻ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

 ኣብ ሓምለ 2022፡ ዓለምለኻዊ ዜሰምብድ ብረታዊ ዓመጻ ኣጋጢሙ ነይሩ።

  •   “ኣብ ጃፓን ቅትለት ሓደ ውሩይ ፖለቲከኛ [ቐዳማይ ሚኒስተር ነበር ሺንዞ ኣቤ]፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ሰባት ኣሰምቢድዎም እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብፍላይ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ብረታዊ ዓመጻ ስለ ዘየጋጥምን ምስ ብረት እተተሓሓዘ ጽኑዕ ሕግታት ስለ ዘሎን እዩ።”—10 ሓምለ 2022፡ ዘ ጃፓን ታይምስ።

  •   “ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዚርከብ ቦታ ዕዳጋ፡ ብረት ዝሓዘ ሰብኣይ ሰለስተ ሰባት ምስ ቀተለ፡ ንህዝቢ ደንማርክ ኣሰምቢድዎም እዩ።”—4 ሓምለ 2022፡ ሮይተርስ።

  •   “ደቡብ ኣፍሪቃ፦ ብረት እተዓጥቁ ሰባት ኣብ ከተማ ሶዌቶ፡ ኣብ ሓደ ባር፡ ተዅሲ ምስ ከፈቱ፡ 15 ሰባት ሞይቶም።”—10 ሓምለ 2022: ዘ ጋርድያን

  •   “ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ን4 ሓምለ ብዚምልከት ኣብ ዚግበር በዓል፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን፡ ብሰንኪ ብረታዊ ዓመጻ ልዕሊ 220 ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም።”—5 ሓምለ 2022: ሲ.ቢ.ኤስ. ኒውስ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጻ ዜብቅዓሉ ግዜስ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ዓመጻ ዜብቅዓሉ ግዜ

 መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እንነብረሉ ዘለና፡ ጨካናት፡ ሕሱማት፡ ንሕስያ ዘይብሎም ሰባት ዘለውዎ እዋን፡ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 3) ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጻ ንሰባት ብፍርሂ ኸም ዚነብሩ ገይርዎም ኣሎ። (ሉቃስ 21:11) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓመጻ ዜብቅዓሉ እዋን ከም ዚመጽእ፡ ሰባት ከኣ፡ “ኣብ ሰላማዊ መንበሪ፡ ደሓን ኣብ ዘለዎ መንበርን ህድኣት ኣብ ዘለዎ መዕረፍን” ኪቕመጡ ምዃኖም የተስፉ እዩ። (ኢሳይያስ 32:18) ዓመጻ ብኸመይ እዩ ዜብቅዕ፧

 ኣምላኽ ንእኩያት ኬጥፍኦም፡ ንኹሉ ኣጽዋር ከኣ ኬወግዶ እዩ።

  •   “እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ . . . እዮም።”—ምሳሌ 2:22

  •   “[ኣምላኽ] ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ። ንቐስቲ ይሰብሮ፡ ንዂናት ድማ ይቐራስሞ፣ ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”—መዝሙር 46:9

 ኣምላኽ ንሰባት ብሰላም ኪነብሩ ብምምሃር ንጠንቂ ዓመጻ ኼወግዶ እዩ።

  •   “ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡ ኣይኪጐድኡን ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም።”—ኢሳይያስ 11:9

  •   ኣብዚ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚነብሩ ሰባት ካብ ዓመጻ ኺርሕቑን ኣጽዋር ኬወግዱን፡ ማለት “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ” ይምህሮም ኣሎ።—ሚክያስ 4:3

 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍርሂ ዘይብላ ዓለም ዘተስፈዎ ተስፋ እንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ “ፍሪደም ፍሮም ፊር—ኢዝ ኢት ፖሲብል፧ ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

 ብዛዕባ ነባሪ ፍታሕ ዓመጻ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ “ፒስ ኦን አርዝ ኣትላስት! ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።