ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧

መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መላእኽቲ ኻብ ሰባት ንላዕሊ ሓይልን ክእለትን ዘለዎም ፍጡራት እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:11) ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ እዮም ዚነብሩ፣ እዚ ድማ ህልውናኦም ካብዚ ግኡዝ ዩኒቨርስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዃኑ የመልክት። (1 ነገስት 8:27፣ ዮሃንስ 6:38) ስለዚ ኸኣ፡ መናፍስቲ ተባሂሎም እውን ይጽውዑ እዮም።—1 ነገስት 22:21፣ መዝሙር 18:10

መላእኽቲ ኻበይ መጺኦም፧

 ኣምላኽ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ኣቢሉ እዩ ንመላእኽቲ ፈጢርዎም። ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ዕዮ ፍጥረት ብኸመይ ከም እተጠቐመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርአን ዘይርአን፡” እንተላይ መላእኽቲ ማለት እዩ፡ “ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ” ይብል። (ቈሎሴ 1:13-17) መላእኽቲ ኣይምርዓዉን ወይ ኣይወልዱን እዮም። (ማርቆስ 12:25) የግዳስ፡ እዞም “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ነፍሲ ወከፎም በብውልቂ እዮም ተፈጢሮም።—እዮብ 1:6

 መላእኽቲ፡ ምድሪ ገና ኸይተፈጥረት ኣቐዲሞም እዮም ተፈጢሮም። ኣምላኽ ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ፡ መላእኽቲ “ብናእዳ ጨዲሮም” እዮም።—እዮብ 38:4-7

መላእኽቲ ብዝሖም ክንደይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ መላእኽቲ ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ደኣ እምበር፡ ልክዕ ቍጽሮም ኣይነግርን እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣማእታት ሚልዮናት መላእኽቲ ብራእይ ርእዩ እዩ።—ራእይ 5:11፡ እግረ ጽሑፍ።

መላእኽቲ ብሕታዊ ስምን ባህርይን ኣለዎምዶ፧

 እወ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስማት ክልተ መላእኽቲ፡ ማለት ሚካኤልን ገብርኤልን ተጠቒሱ ኣሎ። (ዳንኤል 12:1፣ ሉቃስ 1:26) a ካልኦት መላእኽቲ ኸኣ ስማቶም ኪነግሩ ፍቓደኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ስም ከም ዘለዎም ግና ተኣሚኖም ኢዮም።​—ዘፍጥረት 32:29፣ መሳፍንቲ 13:17, 18

 መላእኽቲ ነናቶም ባህርይ ኣለዎም። ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:1) ናይ ምሕሳብ ክእለት ኣለዎም፣ ቃላት ኣዋሃሂዶም ንኣምላኽ ናይ ምውዳስ ክእለት ድማ ኣለዎም። (ሉቃስ 2:13, 14) ከምቲ ሰይጣን ድያብሎስ ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለወ ገሊኦም መላእኽቲ ደድሕሪኡ ዝሰዓቡ፡ መላእኽቲ ቕኑዕ ወይ ጌጋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎም።—ማቴዎስ 25:41፣ 2 ጴጥሮስ 2:4

መላእኽቲ ብመዓርግ ይፈላለዩ ድዮም፧

 እወ። እቲ ብሓይልን ብስልጣንን ካብ ኵሎም ዝለዓለ መልኣኽ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 9፣ ራእይ 12:7) ሱራፌል ዚብሃሉ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዝፋን ኣምላኽ ዚቕመጡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ዘለዎም መላእኽቲ እዮም። (ኢሳይያስ 6:2, 6) ኪሩቤል ድማ ፍሉይ ዕዮ ዚዓይዩ ልዕል ዝበለ መዓርግ ዘለዎም መላእኽቲ እዮም። ንኣብነት፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ምስ ተሰጕጉ፡ ኪሩቤል ነቲ ኣፍ ደገ ይሕልዉ ነበሩ።—ዘፍጥረት 3:23, 24

መላእኽቲ ንሰባት ይሕግዝዎም ድዮም፧

 እወ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ነቶም እሙናት መላእኽቱ፡ ንሰባት ንምሕጋዝ ይጥቀመሎም እዩ።

  •   ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምምራሕ፡ ንመላእኽቱ ይጥቀመሎም እዩ። (ራእይ 14:6, 7) እዚ ድማ ነቶም ዚሰብኩ ይኹን ነቶም ነቲ ብስራት ዚሰምዑ ይጠቅም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26, 27

  •   መላእኽቲ ነታ ክርስትያናዊ ጉባኤ ብእኩያት ሰባት ከይትብከል ይሕልውዋ።—ማቴዎስ 13:49

  •   መላእኽቲ ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዚዀኑ ሰባት ይመርሕዎምን የዕቝብዎምን።—መዝሙር 34:7፣ 91:10, 11፣ እብራውያን 1:7, 14

  •   ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መላእኽቲ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንእከይ ካብ ገጽ ምድሪ ብምውጋድ፡ ንደቂ ሰብ እፎይታ ኼምጽኡሎም እዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:6-8

ነናትና ሓላዊ መልኣኽ ኣሎና ድዩ፧

 መላእኽቲ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚሕልዉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዚሕልዎ ሓሓደ መልኣኽ ይምድበሉ ማለት ግና ኣይኰነን። b (ማቴዎስ 18:10) መላእኽቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ሽግር ወይ ፈተና የዕቝብዎም ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ጥበብን ተጻዋርነትን ብምሃብ ካብ ፈተና “መዋጽኦ” ኸም ዚፈጥር እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ።—1 ቈረንቶስ 10:12, 13፣ ያእቆብ 1:2-5

ብዛዕባ መላእኽቲ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ኵሎም መላእኽቲ ጥዑያት እዮም።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ “እኩያት መናፍስቲ” ኸምኡ እውን “ዝሓጥኡ መላእኽቲ” ኸም ዘለዉ ይጠቅስ እዩ። (ኤፌሶን 6:12፣ 2 ጴጥሮስ 2:4) እዞም እኩያት መላእኽቲ እዚኦም፡ እቶም ሰይጣን ኣንጻር ኣምላኽ ምስ ዓለወ ዝሓበርዎ ኣጋንንቲ እዮም።

 ግጉይ ርድኢት፦ መላእኽቲ ኣይሞቱን እዮም።

 ሓቂ፦ እኩያት መላእኽቲ፡ እንተላይ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ኪጠፍኡ እዮም።—ይሁዳ 6

 ግጉይ ርድኢት፦ ሰባት ምስ ሞቱ መላእኽቲ ይዀኑ።

 ሓቂ፦ መላእኽቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት ዘይኰኑስ፡ ካልእ ዓይነት ፍጥረት ኣምላኽ እዮም። (ቈሎሴ 1:16) ኣምላኽ ነቶም ካብ ምዉታት ተንሲኦም ናብ ሰማይ ዝኸዱ ሰባት፡ ዘይትመውት ህይወት ይህቦም እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:53, 54) ካብ ናይ መላእኽቲ ዝለዓለ ቦታ ኺህልዎም እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:3

 ግጉይ ርድኢት፦ መላእኽቲ ንሰባት ንምግልጋል እዮም ተፈጢሮም።

 ሓቂ፦ መላእኽቲ ንዓና ዘይኰነስ፡ ንሕግታት ኣምላኽ እዮም ዚእዘዙ። (መዝሙር 103:20, 21) የሱስ እውን ከይተረፈ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ኪልምን ከም ዚኽእል ደኣ እምበር፡ ብቐጥታ ኻብ መላእኽቲ ሓገዝ ከም ዚልምን ኣይገለጸን።—ማቴዎስ 26:53

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓገዝ ንምርካብ፡ ናብ መላእኽቲ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።

 ሓቂ፦ ናብ ኣምላኽ ምጽላይ፡ ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾና እዩ። (ራእይ 19:10) ብየሱስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንጽሊ ዚግባእ።—ዮሃንስ 14:6

a ገለ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢሳይያስ 14:12 “ሉሲፈር” ዚብል ቃል ይጥቀም እዩ። ገሊኦም ከኣ እዚ ስም እዚ ናይቲ ጸኒሑ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ ገይሮም ይርድእዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ እታ ኣብ በዅሪ ቋንቋ እብራይስጢ ኣትያ ዘላ ቃል፡ “ብሩህ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዋ። ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ ኸኣ፡ እታ ቓል ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ነቲ ብሰንኪ ድርቅናኡ ኣምላኽ ዘዋረዶ ስርወ ንግስነት ባቢሎን እተመልክት እያ። (ኢሳይያስ 14:4, 13-20) እታ “ብሩህ” እትብል ቃል፡ ስርወ ንግስነት ባቢሎን ምስ ተገልበጠ ንምብጫው ተባሂላ እያ ኣብኡ ተጠቒሳ።

b ገሊኦም ነቲ ጴጥሮስ ካብ ማእሰርቲ ኸም እተፈትሐ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ጴጥሮስ ብሕታዊ ሓላዊ መልኣኽ ኸም ዝነበሮ ገይሮም ይርድእዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-16) ይኹን እምበር፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ጴጥሮስ ኣብ ዚዛረቡሉ እዋን “መልኣኹ እዩ” ምባሎም፡ ጴጥሮስ ባዕሉ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ወኪሉ መልኣኽ ኪበጽሖም ከም ዝመጸ ገይሮም ብጌጋ ስለ ዝሓሰቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።