ኢሳይያስ 14:1-32

  • እስራኤል ኣብ ምድሮም ኪቕመጡ እዮም (1, 2)

  • ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን እተዘርበ ባጫ (3-23)

    • እቲ ብሩህ፡ ካብ ሰማይ ኪወድቕ እዩ (12)

  • ኢድ የሆዋ ነቲ ኣሶራዊ ኺሕምሽሾ እዩ (24-27)

  • ኣንጻር ፍልስጥኤም እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (28-32)

14  የሆዋስ ንያእቆብ ኪምሕሮ፡+ ንእስራኤል ድማ ከም ብሓድሽ ኪሓርዮ እዩ።+ ኣብ ምድሮም ኬስፍሮም* እዩ፣+ ጓኖት ከኣ ኪጽምበርዎም፡ ምስ ቤት ያእቆብ እውን ኪለግቡ እዮም።+  ህዝብታት ወሲዶም ናብ ቦታኦም ኬምጽእዎም፡ ቤት እስራኤል ድማ ንዓታቶም ኣብ ምድሪ የሆዋ ገላዉን ኣግራድን ገይሮም ኪውንንዎም እዮም፣+ ነቶም ማረኽቶም ኪማርኽዎም፡ ነቶም ብግዲ ዘዕየይዎም ድማ ኪገዝእዎም እዮም።  በታ የሆዋ ኻብ ስቓይካን ካብ ህውከትካን ካብቲ እተጻዕነካ ኸቢድ ባርነትን ዜዕርፈካ መዓልቲ፡+  ንንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስለሉ* ኢኻ፦ “እቲ ብግዲ ዜዕዪሲ ኸመይ ኰን እዩ ናብ መወዳእታኡ በጺሑ! እቲ ጭቈናስ ከመይ ኰን እዩ ተወዲኡ!+   የሆዋ ንበትሪ እኩያት፡ንሻቦጥ ገዛእቲ ሰይርዎ፣+   ነቲ ንህዝብታት ብነድሪ ኸየቋረጸ ዚወቕዖም፡+ነቲ ብቐጻሊ ብምስጓጕ ንኣህዛብ ዚገዝኦም ሰይርዎ።+   ብዘላ ምድሪ ብዘይ ረብሻ ዓሪፋ። ሰባት እልል ይብሉ።+   ኣእዋም ጽሕድን*ቄድሮሳት ሊባኖስን እኳ፡‘ንስኻ ኻብ እትወድቕ ኣትሒዙ፡ቈራጺ ዕንጨይቲ ናባና ኣይደየበን’ ኢሎም ብዛዕባኻ ይሕጐሱ።   ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር* እኳ፡ክትመጽእ ከለኻ ኪቕበለካ ይለዓዓል። ብሰንክኻ ንዅሎም እቶም ብሞት እተሰነፉ፡ንዅሎም ጨቈንቲ መራሕቲ* ምድሪ የበራብሮም። ንዅሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋናቶም የተንስኦም። 10  ኵላቶም ይዛረቡ፡ ከምዚ እውን ይብሉኻ፦ ‘ንስኻ እውንዶ ኸማና ድኹም ኴንካ፧ ንስኻዶ ኸማና ዄንካ፧ 11  ትምክሕትኻን ደሃይ በገናኻንናብ መቓብር* ወሪዱ።+ እቡባት ኣብ ትሕቴኻ ኸም ዓራት ተዘርጊሖም፡ሓሳኹ ድማ መደረብታኻ ዀይኖም።’ 12  ኣታ ብሩህ ወዲ ወጋሕታ፡ከመይ ኰን ኢኻ ኻብ ሰማይ ዝወደቕካ! ኣታ ንኣህዛብ ዝሰዓርካ፡+ከመይ ኰን ኢኻ ተቘሪጽካ ናብ ምድሪ እተደርበኻ! 13  ንስኻስ ብልብኻ፡ ‘ናብ ሰማያት ክድይብ እየ።+ ዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብል፡+ኣብ ከረን ኣኼባ፡ኣብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ድማ ክቕመጥ እየ።+ 14  ኣብ ልዕሊ ጫፍ ደበናታት ክድይብ፡ነቲ ልዑል ድማ ክመስል እየ’ ኢልካ ኔርካ። 15  ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ መቓብር፡*ናብ መዓሙቝ ጕድጓድ ክትወርድ ኢኻ። 16  እቶም ዚርእዩኻ ኺጥምቱኻ እዮም፣ከምዚ እናበሉ ተጠንቂቖም ኪምርምሩኻ እዮም፦ ‘ንምድሪ ዜናውጻ፡ንመንግስትታት ድማ ዜንቀጥቅጥ ዝነበረ ሰብሲ እዚ ድዩ፧+ 17  ንዓለም ከም በረኻ ዝገበራ፡ንኸተማታታ ኸኣ ዝገልበጠ፡+ንእሱራቱ እውን ናብ ቤቶም ከይከዱ ዝኣበየስ እዚ ድዩ፧’+ 18  ኵሎም ነገስታት ኣህዛብ፡ነፍሲ ወከፎም ኣብ መመቓብሮም፡*እወ፡ ኵላቶም ብኽብሪ በጥ ይብሉ። 19  ንስኻ ግና ከም ፍንፉን ጠጥዒ፡*ከም እተረግጸ ሬሳ፡በቶም ናብ ጕድጓድ ኣእማን ዝወረዱብሰይፊ እተወግኡ ቕቱላት ተኸዲንካ፡ብዘይ መቓብር ተደርቢኻ ኣለኻ። 20  ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ንህዝብኻ ድማ ቀቲልካዮም ኢኻ እሞ፡ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ከም ብሓድሽ ከቶ ኣይኪስመን እዩ። 21  ከይትንስኡ እሞ፡ ንምድሪ ኸይቈጻጸርዋ፡ንዓለም ድማ ብኸተማታቶም ከይመልእዋስ፡ብሰሪ ስሕተት ኣቦታቶም፡ንደቁ መሕረዲ ኣዳልዉ።” 22  “ኣነ ኣንጻሮም ክትንስእ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “ስምን ተረፍን ዘርእን ሓድግን ካብ ባቢሎን ክድምስስ እየ”+ ይብል የሆዋ። 23  “ርስቲ ቕንፍዝን ቦታ ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ከኣ ክዅስትራ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 24  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ምሒሉ ኣሎ፦ “ከምቲ ዝሓለንክዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ፣ከምቲ ዝወሰንክዎ፡ ከምኡ ኺፍጸም እዩ። 25  ነቲ ኣሶራዊ ኣብ ምድረይ ክሕምሽሾ፡ኣብ ኣኽራነይ ድማ ክረግጾ እየ።+ ኣርዑቱ ኻባታቶም ኪእለ፡ጾሩ እውን ካብ መንኵቦም ኪእለ እዩ።”+ 26  ኣንጻር ኵላ ምድሪ እተወሰነ* እዚ እዩ፣ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ እተዘርግሐት* ኢድ ከኣ እዚኣ እያ። 27  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ካብ መደበስ፡መን ኬተዓናቕፎ ይኽእል፧+ ኢዱ ኻብ ተዘርግሐትሲ፡መን ኪመልሳ ይኽእል፧+ 28  በታ ንጉስ ኣሓዝ ዝሞተላ ዓመት፡+ እዚ ኸቢድ መልእኽቲ እዚ ተዘርበ፦ 29  “ካብ ሱር ተመንሲ+ መርዛም ተመን ኪወጽእ፡+ውላዱ ኸኣ በራሪ ዜንድድ ተመን* ኪኸውን እዩ እሞ፡ሻቦጥ እቲ ዚወቕዓኪ ስለ እተሰብረ፡ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ኣይትተሓጐሲ። 30  በዅራት እቶም ትሑታት ኪምገቡ፡ድኻታት ድማ ብደሓን በጥ ኪብሉ ኸለዉ፡ንሱርኪ ብጥሜት ክቐትሎ እየ፣ካባኺ ዝተረፈ እውን ኪቕተል እዩ።+ 31  ኣታ ኣፍ ደገ፡ ዋይዋይ በል! ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ! ኵልኺ ፍልስጥኤም፡ ጃጅዊ! ካብ ሰሜንሲ ትኪ ይመጽእ ኣሎ፣ካብ መስርዑ ዚፍለ ኸኣ የብሎምን።” 32  ንልኡኻት ህዝቢ እንታይ ኢሎም እዮም ኪምልሱሎም፧ የሆዋ፡ መሰረት ጽዮን ከም ዝሰረተ፡+ትሑታት ህዝቡ ድማ ኣብኣ ኸም ዚምዕቈቡ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኬዕርፎም።”
ወይ፡ “ኸተባጭወሉ።”
ወይ፡ “ተርሚንን።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታት።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “በቤቶም።”
ወይ፡ “ጨንፈር።”
ቃ.ቃ.፡ “እተመኽረ ምኽሪ።”
ወይ፡ “ንዅሎም ኣህዛብ ክትወቅዕ እተዳለወት።”
ወይ፡ “ተወርዋሪ መርዛም ተመን።”