ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ እዩ ዚርከብ። (ዘጸኣት 20:12፣ ዘዳግም 5:16፣ ማቴዎስ 15:4፣ ኤፌሶን 6:2, 3) ኣርባዕተ ቐንዲ ተግባር ከኣ የጠቓልል።

  1.   ሞሳኻ ኣርእዮም። ኣቦኻን ኣዴኻን እተኽብር፡ ንዅሉ እቲ ዝገበሩልካ ነገራት ስለ እተማስወሉ እዩ። ንዚህብዎ መምርሒ ኣኽቢርካ ብምርኣይ፡ ሞሳኻ ኸተርእዮም ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 7:1, 2፣ 23:26) መጽሓፍ ቅዱስ ንወለድኻ ኸም “ክብሪ” ጌርካ ኽትርእዮም፡ ማለት ብኣታቶም ክትኰርዕ የተባብዓካ እዩ።—ምሳሌ 17:6

  2.   ስልጣኖም ኣኽብር። ብፍላይ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ስልጣን ኣፍልጦ ብምሃብ ኢኻ ኣቦኻን ኣዴኻን እተኽብር። ቈሎሴ 3:20 ንውሉዳት፡ “እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም” እያ እትብሎም። እቲ መንእሰይ ዝነበረ የሱስ እውን ብፍቓዱ ንወለዱ ይእዘዞም ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 2:51

  3.   ኣኽብሮም። (ዘሌዋውያን 19:3፣ እብራውያን 12:9) እዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እንታይ ከም እትብልን ብኸመይ ከም እትብሎን የጠቓልል። ሓቂ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ወለዲ ዚገብርዎ ተግባራት፡ ንኸተኽብሮም ኣጸጋሚ ይገብሮ እዩ። ግናኸ፡ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ እውን እንተ ዀነ፡ ውሉዳት ኣኽብሮት ዘየንጸባርቕ ዘረባን ተግባራትን ብምውጋድ ንወለዶም ኬኽብሩ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 30:17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ንኣቦኻ ወይ ንኣዴኻ ሕማቕ ምዝራብ፡ ከቢድ በደል ከም ዝዀነ እዩ ዚምህር።—ማቴዎስ 15:4

  4.   ዜድልዮም ኣማልኣሎም። ወለድኻ ኺኣርጉ ኸለዉ፡ ግብራዊ ደገፍ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ዜድልዮም ዘበለ ኸም እተማልኣሎም ንምርግጋጽ ዚከኣለካ ብምጽዓር ከተኽብሮም ትኽእል ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8) ንኣብነት፡ የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ፡ ኣዲኡ እትናበየሉ መገዲ ኣዳለወ።—ዮሃንስ 19:25-27

ኣቦኻን ኣዴኻን ብዛዕባ ምኽባር ዘሎ ግጉይ ምርዳእ

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣቦኻን ኣዴኻን ምእንቲ ኸተኽብር፡ ንሓዳርካ ኺቈጻጸርዎ ኽትፈቕደሎም ኣሎካ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘሎ ርክብ ልዕሊ ዝዀነ ኻልእ ርክብ ስድራ ቤት ቀዳማይ ቦታ ኸም ዚውሃቦ እዩ ዚምህር። ዘፍጥረት 2:24፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ትብል። (ማቴዎስ 19:4, 5) ርግጽ እዩ፡ ሰብ ሓዳር ካብ ምኽሪ ወለዶምን ኣሕሙኦምን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 23:22) ይኹን እምበር፡ ሰብ ሓዳር፡ ቤተ ሰቦም ኣብ ሓዳሮም ክሳዕ ክንደይ ጣልቃ ኺኣትዉ ኸም ዘለዎም ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 19:6

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣቦኻን ኣዴኻን ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎም።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ንወለዲ ኣብ ስድራ ቤት ስልጣን ሂብዎም እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ስልጣን ደቂ ሰብ ግና ደረት ኣለዎ፣ ልዕሊ ስልጣን ኣምላኽ ዝዀነ ኻልእ ስልጣን የልቦን። ንኣብነት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኣምላኽ ከይእዘዙ ምስ ኣዘዞም፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሎም እዮም መሊሶም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29) ብተመሳሳሊ፡ ውሉዳት ንወለዶም “ከም ፍቓድ ጐይታ፡” ማለት ምስ ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ዘይጋጮ ዅሉ ነገር ይእዘዝዎም እዮም።—ኤፌሶን 6:1

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣቦኻን ኣዴኻን ምኽባር፡ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ምስዓብ ይሓትት።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንምሃሮ ዘበለ ነገራት ሓቂ እንተ ዀይኑ ኽንምርምር እዩ ዜተባብዓና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11፣ 1 ዮሃንስ 4:1) ከምኡ ዚገብር ውልቀ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኻብ ናይ ወለዱ ዚፍለ እምነት ኪመርጽ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም እኒ ኣብርሃምን ሩትን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝኣመሰሉ ንሃይማኖት ወለዶም ዘይሰዓቡ ሓያሎ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ይጠቅስ እዩ።—እያሱ 24:2, 14, 15፣ ሩት 1:15, 16፣ ገላትያ 1:14-16, 22-24

 ግጉይ ርድኢት፦ ኣቦኻን ኣዴኻን ምእንቲ ኸተኽብር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽንብላት ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ክትሳተፍ ኣሎካ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ” ይብል። (ሉቃስ 4:8) ንኣቦሓጎታቱ ዜምልኽ ሰብ ንኣምላኽ እዩ ዜጕሂ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ’ እዩ ዚምህር። ብዛዕባ እቲ ንዓታቶም ተባሂሉ ዚቐርብ ጽንብላት ኣይፈልጡን እዮም፣ ንህያዋን ሰባት ኪሕግዙ ዀነ ኺጐድኡ እውን ኣይክእሉን እዮም።—መክብብ 9:5, 10፣ ኢሳይያስ 8:19