ኢሳይያስ 8:1-22

  • ምምጻእ ወራር ኣሶር (1-8)

    • ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ (1-4)

  • ኣይትፍርህዎም–“ኣምላኽ ምሳና እዩ!” (9-17)

  • ኢሳይያስን ደቁን ትእምርቲ ይዀኑ (18)

  • ካብቲ ሕጊ ሕተቱ እምበር፡ ንኣጋንንቲ ኣይትሕተቱ (19-22)

8  የሆዋ ድማ፡ “ዓብዪ ሰሌዳ+ ውሰድ እሞ፡ ኣብኡ ብተራ ብርዒ፡* ‘ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ’* ኢልካ ጽሓፍ።  እሙናት መሰኻኽር፡ ካህን ኡርያን+ ዘካርያስ ወዲ የበረክያን ከኣ፡ ብጽሑፍ የረጋግጹለይ”* በለኒ።  ሽዑ፡ ናብታ ነብዪት* ኣቶኹ፣* ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ማሃር-ሻላል-ሓሽ-ባዝ ኢልካ ስመዮ፣  እቲ ቘልዓ፡ ‘ኣቦይ!’ ‘ኣደይ!’ ኢሉ ምጽዋዕ ከይፈለጠስ፡ ጥሪት ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ኪውሰድ እዩ” በለኒ።+  ከም ብሓድሽ ድማ፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦   “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዚውሕዝ ማያት ሺሎኣሕ* ስለ ዝነዓቖ፡+ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ስለ እተሓጐሰ፡+   ስለዚ፡ እንሆ፡ የሆዋ ኣንጻሮም፡ብርቱዕን ዓብይን ማያት እቲ ፈለግ፡*ንጉስ ኣሶርን+ ኵሉ ኽብሩን ኬምጽኣሎም እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ባይታ እቲ ርባ ኺድይብ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገማግሙ ኸኣ ኪውሕዝ እዩ፣   ንይሁዳ እውን ኪድምስሳ እዩ። ክሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ኰይኑ ድማ ኪውሕዝን ኪሓልፍን እዩ፣+ኦ ኣማኑኤል፡*+እቲ እተዘርግሐ ኣኽናፉ ንግፍሒ እታ ምድሪ ኺመልኦ እዩ!”   ኣቱም ህዝብታት፡ እስከ ጕድኡ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም። ኵልኹም ኣቱም ካብ ርሑቕ ክፋል ምድሪ ዝዀንኩም፡ ስምዑ! ንውግእ ተዳለዉ፣* ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም!+ ንውግእ ተዳለዉ፣ ግናኸ፡ ክትሕምሸሹ ኢኹም! 10  ውጥን ምሃዙ፣ ግናኸ፡ ኪተዓናቐፍ እዩ! ዝደለኹምዎ በሉ፣ ግናኸ፡ ኣይኪሰልጥን እዩ! ከመይሲ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ!*+ 11  የሆዋ ነታ ሓያል ኢዱ ኣባይ ገይሩ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ኬጠንቅቐኒ ኢሉ ኸምዚ በለኒ፦ 12  “ነቲ እዞም ህዝቢ እዚኦም ውዲት ዚብልዎ፡ ውዲት ኣይትበልዎ! ነቲ ዚፈርህዎ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፣ብእኡ ራዕራዕ ኣይትበሉ። 13  ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡—ንዕኡ ደኣ ቕዱስ ጌርኩም ርኣይዎ፣+ንዕኡ ድማ ፍርህዎ፣ንሱ እውን ራዕራዕ የብልኩም።”+ 14  ንሱ ኸኣ መቕደስ ኪኸውን እዩ፣ግናኸ፡ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል፡እምኒ መሐንኰልንከውሒ መዐንቀፍን ኪኸውን፡+ንነበርቲ የሩሳሌም ድማ፡መጻወድያን መፈንጠራን ኪኸውን እዩ። 15  ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ኪዕንቀፉን ኪወድቁን ኪስበሩንኪፍንጠሩን ኪትሓዙን እዮም። 16  ነቲ እተጻሕፈ መረጋገጺ* ጠቕልሎ፣ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርተይ ነቲ ሕጊ* ሕተሞ። 17  ኣነስ ነቲ ገጹ ኻብ ቤት ያእቆብ+ ዚሓብእ ዘሎ የሆዋ ኽጽበዮ፡*+ ብእኡ እውን ተስፋ ኽገብር እየ። 18  እንሆ፡ ኣነን እቶም የሆዋ ዝሃበኒ ደቅን፡+ ካብቲ ኣብ ከረን ጽዮን ዚነብር የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝዀንና ትእምርትን+ ተኣምራትን ኢና። 19  “ነቶም ጭቝጭቝን ዕዝምዝምን ዚብሉ ጠየቕቲ መናፍስቲ ወይ ጠንቈልቲ ሕተቱ” እንተ ኢሎምኹም፡ ህዝቢ ንኣምላኹ ደይኰነን ዚሓትት፧ ምእንቲ ህያዋንሲ ንምዉታትዶ ይሕተት፧+ 20  ካብቲ ሕግን ካብቲ እተጻሕፈ መረጋገጽን* ደኣ ይሕተቱ! ከምዚ ቓል እዚ ምስ ዘይዛረቡ፡ ብርሃን* የብሎምን።+ 21  ነፍሲ ወከፍ ከኣ ተወጺዑን ጠምዩን በታ ምድሪ እቲኣ ኺሓልፍ እዩ፣+ ብምጥማዩን ብምቝጣዑን ድማ፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ንንጉሱን ንኣምላኹን ኪረግሞም እዩ። 22  ድሕሪኡ፡ ናብ ምድሪ ኺጥምት፡ ጭንቅን ጸልማትን፡ ጽልግልግታን ሽግርን፡ ድነን ብርሃን ኣልቦነትን ጥራይ እውን ኪርኢ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ንምርኮ ምፍጣን፡ ንዘመተ ቐልጢፍካ ምምጻእ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ብብርዒ መዋቲ ሰብ።”
ወይ፡ “ይመስክሩለይ።”
ማለት፡ ሰበይቲ ኢሳይያስ።
ቃ.ቃ.፡ “ቀረብኩ።”
ሺሎኣሕ መትረብ ማይ እዩ ነይሩ።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ኣብ ኢሳ 7:14 ርአ።
ወይ፡ “ተዓጠቑ።”
እቲ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዚብል፡ ብእብራይስጢ ኣማኑኤል ይብል። ኣብ ኢሳ 7:14 8:8 ርአ።
ወይ፡ “ነቲ መረጋገጺ።”
ወይ፡ “ትእዛዝ፣ ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ብሃንቀውታ ኽጸበዮ።”
ወይ፡ “ካብቲ መረጋገጽን።”
ቃ.ቃ.፡ “ወጋሕታ።”