ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ስጋዊ ኣካል ሒዙ ድዩ ተንሲኡ ወይስ መንፈሳዊ ኣካል፧

የሱስ ስጋዊ ኣካል ሒዙ ድዩ ተንሲኡ ወይስ መንፈሳዊ ኣካል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ “ብስጋ ሞይቱ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ [ማለት፡ ተንሲኡ]” ይብል።—1 ጴጥሮስ 3:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:34፣ 1 ቈረንቶስ 15:45፣ 2 ቈረንቶስ 5:16

 የሱስ ስጋን ደምን ለቢሱ ኺትንስእ ከም ዘይክእል ባዕሉ ገሊጹ እዩ። ከመይሲ፡ ‘ምእንቲ ህይወት ዓለም ስጋኡ’ በጃ ገይሩ ንደቂ ሰብ ከም ዚህብ ሓቢሩ እዩ። (ዮሃንስ 6:51፣ ማቴዎስ 20:28) ስጋ ለቢሱ እንተ ዚትንስእ ነይሩ፡ ነቲ መስዋእታዊ በጃ ምሰረዞ። እዚ ግና ኪኸውን ዚኽእል ኣይኰነን፣ ስለምንታይሲ፡ ስጋኡን ደሙን “ሓንሳእ ንሓዋሩ” ኸም ዝሰውአ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—እብራውያን 9:11, 12

የሱስ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እንተ ዚትንስእ ነይሩ፡ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ ብኸመይ እዮም ኪርእይዎ ኽኢሎም፧

  •  መንፈሳውያን ፍጡራት ስጋ ኺለብሱ፡ ማለት ሰብ መሲሎም ኪርኣዩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ምስ ሰባት በሊዖምን ሰትዮምን እዮም። (ዘፍጥረት 18:1-8፣ 19:1-3) ኣብቲ ህሞት እቲ ግና፡ ገና መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም ነይሮም፡ ነቲ ስጋዊ ዓለም ሓዲጎም እውን ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።—መሳፍንቲ 13:15-21

  •  የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ከምቲ መላእኽቲ ኣቐዲሞም ዝገብርዎ፡ ንግዜኡ ስጋ ለቢሱ ነይሩ እዩ። መንፈሳዊ ፍጡር ስለ ዝነበረ ግና፡ ብሃንደበት ኪርአን ኪስወርን ይኽእል ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 24:31፣ ዮሃንስ 20:19, 26) እቲ ዚለብሶ ዝነበረ ስጋ ግና በብግዜኡ ይፈላለ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ እኳ በቲ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ነገር ጥራይ እዮም ኬለልይዎ ኽኢሎም።—ሉቃስ 24:30, 31, 35፣ ዮሃንስ 20:14-16፣ 21:6, 7

  •  የሱስ ንሃዋርያ ቶማስ ኣብ እተራእየሉ እዋን፡ ኣሰር ቍስሉ ዝሓዘ ስጋ እዩ ለቢሱ ነይሩ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ቶማስ ብትንሳኤ የሱስ ተጠራጢሩ ስለ ዝነበረ፡ ንእምነቱ ኼደልድለሉ ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 20:24-29