ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስእሊ ሰሌዳ

እዘን ሓጸርቲ ቪድዮታት እዚአን፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ርእሰ ነገራት ብቐሊል ይምህራ።

 

ንገንዘብካ ብኸመይ ተካውኖ፧

ሕጂ ገንዘብ ኣዋህልል፡ ደሓር ኬዕቝበካ እዩ።

ሽጋራ ብምትካኽ ንዕምርኻ ኣይተሕጽሮ

ብዙሓት ሰባት ሽጋራ፡ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ወይ ሺሻ የትክኹ እዮም። ገሊኦም ነዚ ልምድታት ደው ኣቢሎምዎ እዮም፡ ገሊኦም ድማ ነዚ ደው ንምባል ይቃለሱ እዮም። ስለምንታይ፧ ሽጋራ ምትካኽ ብሓቂ ጐዳኢ ድዩ፧

ጸወታታት ቪድዮ፦ ብሓቂዶ ትዕወት ኢኻ ዘለኻ፧

ጸወታታት ቪድዮ ኬፍ ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደጋታት እውን ኣለዎ። ነዚ ሓደጋታት እዚ ኣወጊድካ፡ ብሓቂ ኽትዕወት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንዝንታ ናብ ሓጐስ ቀይሮ

ወትሩ ዝን ትብል እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ብዛዕባ ስፖርት ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት

ስፖርት ከም ምትሕብባርን ምርድዳእን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኽእለት ኪምህረካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ስፖርት ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኺውሃቦዶ ይግባእ፧

ቅድሚ ምስታይካ ሕሰብ

ብዙሓት ሰባት ብድፍኢት መስተ፡ ደሓር ዜጣዕሶም ነገር ይዛረቡን ይገብሩን እዮም። ብዙሕ መስተ ምስታይ ካብ ዘስዕቦ ሓደጋታት ንርእስኻ ብኸመይ ከተዕቍባ ትኽእል፧

ንወለደይ ከዘራርቦም ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ክትዛረብ ኣብ ዘይትደልየሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ምስ ወለድኻ ኽትረዳዳእ ትኽእል፧

ንርእስኻ ባዕልኻ ዲኻ እትቈጻጸራ፡ ወይስ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ፧

ኣብ እተኣሳሰረት ዓለም እኳ እንተ ነበርካ፡ ተክኖሎጂ ኺቈጻጸረካ ግና የብሉን። ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኸም እተወለፍካ ኸመይ ጌርካ ትፈልጥ፧ እዚ ጸገም እዚ እንተ ኣልዩካ፡ ከመይ ጌርካ ንህይወትካ ኽትቈጻጸሮ ትኽእል፧

ከመይ ገይረ እየ ዝያዳ ናጽነት ክረክብ ዝኽእል፧

ከም ዓብዪ ኽትርአ ዚግብኣካ ይመስለካ ይኸውን፡ ወለድኻ ግን ነዚ ኣይሰማምዑሉን ይዀኑ። ምእንቲ ኺኣምኑኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንሕሜት ብኸመይ ክዓግቶ እኽእል፧

ዕላል ናብ ሕሜት ኪቕየር ከሎ፡ ስጕምቲ ውሰድ!

ናይ ሓቂ ፍቕሪ ድዩ ወይስ ኣይኰነን፧

ኣብ መንጎ ሃነይነይ ምባልን ናይ ሓቂ ፍቕርን ዘሎ ፍልልይ ፍለጥ።

ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኣሉ!

ብርእስኻ ውሳነ ኽትገብር ምእንቲ ኽትክእል፡ ነዘን ኣርባዕተ ስጕምትታት ኣስተብህለለን።

ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠንቀቐሉ

ምስ መሓዙትካ ብኢንተርነት ክትራኸብ ከለኻ፡ ካብ ሓደጋታት ተጠንቀቕ።

ናይ ሓቂ ፈታዊ መን እዩ፧

ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ ብቐሊሉ እዮም ዚርከቡ፡ ናይ ሓቂ ፈታዊ ግና ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ንደንዳኒ ብዘይ ጕስጢ መክቶ

ሰባት ስለምንታይ ከም ዚድንድኑኻን ንድንደና ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉን ተምሃር።