ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት

ውሉድካ ነጥቡ ኸመሓይሽ ብኸመይ ከም እትሕግዞ

ውሉድካ ነጥቡ ኸመሓይሽ ብኸመይ ከም እትሕግዞ

 ውሉድካ ብዛዕባ ትምህርቲ ግዲ የብሉን፡ ዕዮ ገዛ ኣይሰርሕን፡ ከጽንዕ እውን ኣይደልን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነጥቡ እናኣንቈልቈለ ይኸይድ፡ ጠባዩ ኸኣ ይበላሾ። ከምዚ ምስ ዜጋጥመካ፡ ውሉድካ ነጥቡ ኼመሓይሽ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ ነገር

 ጸቕጢ ነቲ ጸገም የጋድዶ። ንውሉድካ ጸቕጢ ትገብረሉ እንተ ዄንካ፡ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ገዛ ኸም ዚጭነቕ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ካብ ጭንቀቱ ኺፈዅሶ ድማ ኪሕሱ፡ ትሑት ነጥቡ ኺሓብእ፡ ኣብ ውጽኢት ፈተናኡ ኸም ናትካ ኣምሲሉ ኺፍርም፡ ወይ ካብ ትምህርቲ ኺበኵር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ጸገም የጋድዶ እዩ።

 ሽልማት ሕማቕ ውጺኢት ኬምጽእ ይኽእል። ሓደ ኣንድሪው ዝስሙ ኣቦ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ንጓልና ንምትብባዕ፡ ጽቡቕ ነጥቢ እንተ ኣምጺኣ፡ ከም እንሽልማ ቓል ኣቲናላ። እዚ ግና ኣትኵሮኣ ኣብቲ ሽልማት ጥራይ ከም ዚኸውን ገይርዎ። ሕማቕ ነጥቢ ምስ እተምጽእ፡ ካብቲ ነጥባ ንላዕሊ ሽልማት ዘይምርካባ እዩ ዜበሳጭዋ ነይሩ።”

 ንመምህራን ምንቃፍ ኣይጠቅምን እዩ። እዚ ንውሉድካ ጽቡቕ ነጥቢ ብዘይ ጻዕሪ ኺርከብ ከም ዚከኣል ኬእምኖ ይኽእል እዩ። ንጌጋታቱ ኣብ ካልኦት ኬላግብ፡ ንሽግራቱ ድማ ካልኦት ኪፈትሑሉ ኺጽበን ይኽእል እዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ ምስ ዓበየ ኣብ ህይወቱ ዜድልዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኼምልጦ እዩ፣ እዚ ድማ ብተግባራቱ ሓላፍነት ምስካም እዩ።

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

 ስምዒታትካ ተቘጻጸር። ሓሪቕካ እንተ ኣሊኻ፡ ንውሉድካ ብዛዕባ ነጥቡ ኣብ ካልእ ግዜ ኣዛራርቦ። ብሬት ዝስሙ ኣቦ፡ “ኣነን ሰበይተይን ክንሃድእን ክንድንግጽን ከለና፡ ብሉጽ ፍረ ረኺብና ኢና” ይብል።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን።”—ያእቆብ 1:19

 ነቲ ናይ ሓቂ ጸገም ኣለልዮ። ድንደና፡ ምልዋጥ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መርመራ ምጭናቕ፡ ጸገም ስድራ ቤት፡ ዋሕዲ ድቃስ፡ ጽቡቕ መደብ ዘይምግባር፡ ወይ ዘይምትኳር ልሙድ ጠንቂ ሕማቕ ነጥቢ እዩ። ውሉድካ ሰነፍ ከም ዝዀነ ተቐላጢፍካ ኣይትደምድም።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ ይረክብ።”—ምሳሌ 16:20

 ንትምህርቲ ዚምሽእ ሃዋህው ፍጠር። ንዕዮ ገዛን ንመጽናዕትን መደብ ኣውጽኣሉ። ነቲ ውሉድካ ዕዮ ገዛ ዚሰርሓሉ ቦታ፡ ኣቓልቦ ኻብ ዚሰርቕ ነገራት (እንተላይ ካብ ተለቪዥንን ካብ ሞባይል ተሌፎንን) ናጻ ግበሮ። ዕዮ ገዛ ኣብ እተፈላለየ ሓጸርቲ እዋናት እንተ ተመቓቒሉ፡ ኬተኵር ኪሕግዞ እዩ። ኣብ ጀርመን ዚነብር ሄክቶር ዚብሃል ኣቦ፡ “ፈተና ይቐርብ እንተ ኣልዩ፡ ክሳዕ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኣብ ክንዲ እንጽበ፡ መዓልቲ መዓልቲ በብሒደት ንኽልሶ” ይብል።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ።”—መክብብ 3:1

 ትምህርቲ ኣተብባዕ። ውሉድካ ኻብ ትምህርቲ ሕጂ ብኸመይ ከም ዚጥቀም ብዝያዳ ብእተረድአ መጠን፡ ብዝያዳ ናይ ትምህርቲ ድሌት ይሓድሮ እዩ። ንኣብነት፡ ትምህርቲ ሕሳብ ነቲ ዚውሃቦ ገንዘብ ኬካውን ይሕግዞ እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ። . . . ክብ ኣብላ።”—ምሳሌ 4:5, 8

 ምኽሪ፦ ንውሉድካ ዕዮ ገዛ ኺሰርሕ ሓግዞ፣ ግናኸ፡ ኣይትስርሓሉ። ኣንድሪው፡ “ጓልና ንሓንጐላ ዓጽያ፡ ብናትና ትሰርሕ ነይራ” ይብል። ውሉድካ ባዕሉ ኸመይ ገይሩ ዕዮ ገዛ ኺዓዪ ኸም ዚኽእል ምሃሮ።