ምሳሌ 4:1-27

  • ጥበባዊ ትምህርቲ ኣቦ (1-27)

    • ልዕሊ ዅሉ ንጥበብ ኣጥርያ (7)

    • ካብ መገዲ እኩያት ርሓቕ (14, 15)

    • መገዲ ጻድቃን እናበርሀት ትኸይድ (18)

    • “ንልብኻ ሓልዎ” (23)

4  ደቀየ፡ ተግሳጽ ኣቦ ስምዑ፣+ኣእምሮ ኽትረኽቡስ ኣቕልቡ፣   ኣነስ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽህበኩም እየ፣ንትምህርተይ* ኣይትሕደግዎ።+   ኣነ እውን ንኣቦይ ናይ ሓቂ ወዱ ነይረ፡+ምናዳ ኸኣ ብኣደይ እፍቶ ነይረ።+   ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምሂሩኒ፦ “ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሓዞ።+ ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።+   ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ።+ ነቲ ዝብሎ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡ እውን ኣይተልግስ።   ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ከተዕቍበካ እያ። ኣፍቅራ፡ ንሳ ድማ ክትሕልወካ እያ።   ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት* ነገር እያ እሞ፡+ ንጥበብ ኣጥርያ፣ብዅሉ እቲ ዘጥረኻዮ ድማ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ።+   ክብ ኣብላ፡ ንሳ እውን ልዕል ከተብለካ እያ።+ ስለ ዝሓቘፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ።+   ኣብ ርእስኻ ማራኺ ኣኽሊል ከተንብረልካ እያ፣ብዘውዲ ጽባቐ ኽትስልመካ እያ።” 10  ወደየ፡ ስማዕ እሞ፡ ቃላተይ ተቐበል፣ዓመታት ህይወትካ ድማ ኪበዝሕ እዩ።+ 11  ብጐደና ጥበብ ክምህረካ እየ፣+ብመገድታት ቅንዕና ኽመርሓካ እየ።+ 12  ክትከይድ ከለኻ፡ ስጕምትኻ ኣይኪዕገትን እዩ፣እንተ ጐዪኻ እውን፡ ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። 13  ህይወትካ እያ እሞ፡+ንተግሳጽ ሓዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሓልዋ እውን።+ 14  ናብ መገዲ እኩያት ኣይትእቶ፣ብጐደና ኽፉኣት ከኣ ኣይትኺድ።+ 15  ካብኣ ርሓቕ፡ ብእኣ ኣይትኺድ፣+ካብኣ ኣልግስ፡ ሓሊፍካያ ድማ ኪድ።+ 16  ንሳቶምሲ ኽፉእ እንተ ዘይገይሮም፡ ኣይድቅሱን እዮም። ንገለ እንተ ዘየውዲቖም ከኣ፡ ድቃስ ይስእኑ እዮም። 17  እንጌራ እከይ ይበልዑ፡ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ እዮም። 18  መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብሩህ ብርሃን ወጋሕታ እያ፣ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር ከኣ እናበርሀት ትኸይድ።+ 19  መገዲ እኩያት ከም ጸልማት እያ፣እንታይ ከም ዜዐንቅፎም ድማ ኣይፈልጡን። 20  ወደየ፡ ንቓላተይ ኣቕልበለን፣ንዘረባይ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ።* 21  ካብ ኣዒንትኻ ኣይተርሕቀን፣ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሓልወን፣+ 22  ንሳተንሲ ንዚረኽብወን ህይወት፡+ንምሉእ ሰብነቶም* ከኣ ጥዕና እየን። 23  ምንጭታት ህይወት ካብኡ እዩ እሞ፡ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።+ 24  ቄናን ዘረባ ኻባኻ እለ፣+ጠዋይ ዘረባ ድማ ካባኻ ኣርሕቕ። 25  ኣዒንትኻ ትኽ ኢለን ይርኣያ፣እወ፡ ጠመተኻ ብቐጥታ ኣብ ቅድሜኻ የተኵር።+ 26  ንመገዲ ኣእጋርካ ኣጣጥሓዮ፣*+ኵሉ ጐደናታትካ ኸኣ ጽኑዕ ኪኸውን እዩ። 27  ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣይትዘምብል።+ ንኣእጋርካ ኻብ ክፉእ ኣርሕቀን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንሕገይ።”
ወይ፡ “ኣውራ።”
ቃ.ቃ.፡ “እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዅሉ ስጋኦም።”
ወይ፡ “ተጠንቂቕካ ሕሰብሉ” ኪኸውን ይኽእል።