ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕክምናዊ ሓገዝ ይቕበሉ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕክምናዊ ሓገዝ ይቕበሉ ድዮም፧

 እወ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መድሃኒት ይወስዱን ሕክምናዊ ሓገዝ ይቕበሉን እዮም። ንነብስና ንከናኸንን ጥዕናና ንሕሉን እኳ እንተ ዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ‘ሓኪም የድልየና’ እዩ። (ሉቃስ 5:31) ወረግ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽርሲ ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሉቃስ ሓኻይም እዮም።—ቈሎሴ 4:14

 ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ዓይነት ሕክምና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይሰማማዕ፡ ኣይንቕበሎን ኢና። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብህይወት ክትቅጽል ኢልካ ደም ምውሳድ ስለ ዚኽልክል፡ ምምሕልላፍ ደም ኣይንቕበልን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20) መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መናፍስትነት ዚተሓሓዝ ዓይነት ሕክምና ይኽልክል እዩ።—ገላትያ 5:19-21

 ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ዓይነት ሕክምና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጋጮን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብሕታዊ ምርጫ ንገብር ኢና። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝመረጾ ዓይነት ሕክምና፡ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኪነጽጎ ይኽእል እዩ። —ገላትያ 6:5