ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክታበት ይቃወሙ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክታበት ይቃወሙ ድዮም፧

 ኣይፋልን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክታበት ኣይቃወሙን እዮም። ክታበት፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብብሕቱ ዚውስኖ ውሳነ ኸም ዚዀነ ገይርና ኢና ንርእዮ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኽተቡ ወሲኖም እዮም።

 ብሉጽ ሕክምና ንምርካብ ነናዲ ኢና፣ ከምኡ እውን ነቲ ኸቢድ ሕማማት ዜስዕቦ ጕድኣት ንምንካይ ኣብ ሕክምናዊ ስነ ፍልጠት እተገብረ ብዙሕ ምዕባለታት ነማስወሉ ኢና። ነቲ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብፍላይ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ዜርእይዎ ጻዕርን ተወፋይነትን እውን ነማስወሉ ኢና።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰብ ስልጣን ጥዕና ዜውጽእዎ መምርሒታት ይስዕብዎ እዮም። ንኣብነት፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ኻብ ዚጅምር ኣትሒዙ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ፡ ብኣማእታት ብዚቝጸር ቋንቋታት፡ ሰባት ነቲ ንጥንቃቐ ተባሂሉ ዚውሃብ መምርሒታት ኪስዕቡ መዘኻኸሪታት የውጽኡ ኣለዉ። እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ቦታ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው፡ መምርሒታት ምስዓብ፡ ምውሻብ፡ ኢድ ምሕጻብ፡ ማስኬራ ምግባር፡ ከምኡ እውን ሰበ ስልጣን ንዚእዝዝዎ ወይ ንዚመኽርዎ ኻልእ ግብራዊ ስጕምትታት ምትግባር ኣድላዪ ምዃኑ የጠቓልል።—ሮሜ 13:1, 2

 ንሓያሎ ዓመታት፡ ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት ኣጕሊሑ እዩ፦

  •   ንሕክምና ዚምልከት ውሳነታት ብሕታዊ ጉዳይ እዩ።—ገላትያ 6:5

     “[እዛ መጽሔት እዚኣ] ሰባት ዝዀነ ይኹን ዓይነት መድሃኒት ወይ ሕክምና ኺወስዱ ርእይቶ ኣይትህብን እያ፣ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይትህብን እያ። ዕላማኣ ንኣንበብቲ ነቲ ሓቂ ምቕራብ እዩ። ኣመዛዚንካ ውሳነ ምግባር ድማ፡ ግደ እቶም ኣንበብቲ እዩ።—ንቕሑ!፡ 8 ለካቲት 1987።

     “ንስኻን ደቅኻን ክትኽተቡ ወይ ከይትኽተቡ ኽትውስን ዘሎካ ባዕልኻ ኢኻ።—ንቕሑ!፡ 22 ነሓሰ 1965።

  •   ንህይወት ኣኽቢርና ስለ እንርእያ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ነናዲ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 17:28

     “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥዕናዊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ናብ ሓካይም ይኸዱ እዮም። ንህይወቶም ስለ ዚፈትውዋን ንነዊሕ ዕድመ ኺህልዎም ስለ ዚደልዩን፡ ዝዀነ ይኹን ሚዛናውን ቅዱስ ጽሑፋውን ሕክምና ይቕበሉ እዮም።”—ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 1975።

     “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መድሃኒትን ሕክምናዊ ሓገዝን ይቕበሉ እዮም። ጽቡቕ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ኪህልዎም እውን ይደልዩ እዮም። አረ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽርሲ፡ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያን ዝነበረ ሉቃስ፡ ሓካይም ኰይኖም ይዓይዩ እዮም። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰብ ሞያ ሕክምና ዚገብርዎ ጻዕርን ዘለዎም ተወፋይነትን የማስዉሉ እዮም። ነቲ እዞም ሰብ ሞያ እዚኣቶም፡ ሰባት ካብ ሕማሞም ንኺጥዕዩ ዚገብርዎ ጻዕሪ እውን የመስግኑሉ እዮም።”—ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ለካቲት 2011።