ኣብ ማሕበረሰብ እነበርክቶ እጃም

ኣብ ማሕበረሰብ እነበርክቶ እጃም

ካብ ማእሰርቲ ናብ ብልጽግና

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ዶናልድ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘፍለጦ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብርን ዝሓሸ ሰብኣይ ኪኸውንን ብኸመይ ከም ዝሓገዞ የዘንቱ።

ኣብ ማሕበረሰብ እነበርክቶ እጃም

ካብ ማእሰርቲ ናብ ብልጽግና

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ዶናልድ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘፍለጦ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብርን ዝሓሸ ሰብኣይ ኪኸውንን ብኸመይ ከም ዝሓገዞ የዘንቱ።

ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ይሕገዙ ኣለዉ

ንስደተኛታት ካብ ንዋታዊ ሓገዝ ንላዕሊ እዩ ዜድልዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለንተኛታት ንስደተኛታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጸናንዕ ሓሳባትን ተስፋን የካፍልዎም እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከተማ ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ ኽትጽብቕ ሓጊዞም

ከተማ ራስቶቭ-ኣን-ዳኑ፡ ሩስያ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ነታ ኸተማ ንምጽባቓ ኣብ ጽድያ እተኻየደ ዕዮ ብንጥፈት ብምስታፎም ናይ ምስጋና ደብዳበ ሂባቶም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርዱ ሰባት ንምዕቋብ ዚሕግዝ ትምህርቲ ንወለድን ንቘልዑን ይህቡ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ጥዑይ ርክብ ስድራ ቤት ዜደንፍዕ ግብራዊ ሓበሬታ ኬሕትሙን ኪዝርግሑን ጸኒሖም እዮም።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተዘርጊሓ

መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ፊሊፒንስ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ቛንቋ ኣዲኦም ፓንጋሲኛ ዝዀነ ተምሃሮ ትሕግዞም ኣላ። ብኸመይ፧

ኣብ ታይላንድ፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዕዉታት ኪዀኑ ተሓጊዞም

ኣብ ታይላንድ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዕውታት ኪዀኑ ዚሕግዞም ፍሉይ ወፈራ ኣካይዶም እዮም። ብዛዕባዚ፡ ኣመሓደርቲ ቤት ትምህርትን መምህራንን ወለድን እንታይ ይብሉ፧

ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቱ ህይወት ኣድሒኑ

ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ዝዀነ ሰርጅ ጀራርደ ዚብሃል ኣብ ፈረንሳ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ሓደጋ ምስ ረኣየ ቐልጢፉ ስጕምቲ ብምውሳድ ህይወት ንምድሓን ሓጊዙ።

ኣብ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ዝሓሰበ ሰብ ድሒኑ

ሓደ ወዲ 80 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንሓደ ሰብኣይ ካብ ሓደ ኣብ ኒው ዚላንድ ዚርከብ ህንጻ ኸይጸድፍ ኣእሚንዎ።

ህይወት እሱራት በብሓደ ይቕየር ኣሎ

ኣብ ስጳኛ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኣስታት 600 እሱራት መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ። እዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንህይወት ሓደ እሱር ዘመሓየሾ ብኸመይ ምዃኑ ተምሃር።

ብትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጽልኢ ስዒሮምዎ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ንዅሎም ዓሌታት ብማዕረ ኸም ዚርእዮም እዮም ዚኣምኑ።

ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ፍቕሪ ንተግባር ተለዓዕለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ይሕግዙ እዮም።

ካብ ርእሰ ቕትለት ድሒኖም

ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም እተረኽበ መጸናንዕን ተስፋን ዚህብ ናይ ሓቂ ዛንታታት ህይወት።

“ብሓቂ ኣብነት ትዀኑ ኢኹም!”

ምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ኣብ ሳፖናራ፡ ኢጣልያ ዜሕዝን ሓደጋ ድሕሪ ምስዓቡ፡ ጕጅለ ወለንተኛታት ዕዮ ረድኤት፡ ነቲ ጭቃን ፍርስራስን ንምጽራይ ከይተሓለሉ ዓይዮም እዮም።

ኣሽሓት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሃይምነት ንምጥፋእ ትምህርቲ የዳልዉ እዮም። ነቲ ኻብዚ እተጠቕሙ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዚርከቡ ሰባት እተዛረብዎ ዘረባ ኣንብብ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእሱራት ብመንፈሳዊ ሓጊዞምዎም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ መአረምታ ትካላት ዚርከቡ መንፈሳዊ ሓገዝ ዚደልዩ ሰባት፡ ብኸመይ እዮም ዚሕግዝዎም ዘለዉ፧

መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዜጋጥሞም ድንደና ኺዋጽኡሉ ተሓጊዞም

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዀነ ሁጎ ንኻልኦት፡ ንድንደና ኺዋጽኡሉ ብምሕጋዙ፡ ዳያና ኣዋርድ ዚብሃል ሽልማት ረኺቡ። ኣምባሳደር ጸረ ድንደና ክኸውን ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ሃንጋሪ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ብምሕጋዞም ተናኢዶም

ፈለግ ዳንዩብ፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን መሊኡ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ ዘዳለውዎ ናይ ምክልኻል ዕዮ ተሳቲፎም።

JW.ORG—ህይወት ሰባት የመሓይሽ

በበይኑ ዓይነት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት፡ እቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ንህይወቶም ከመይ ገይሩ ኸም ዘመሓየሾ ገሊጾም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቕዩዳት ብምሕጋዞም ተመስጊኖም

መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ሓደ ዓብዪ ማእከል መጽንሒ ስደተኛታት ኣውስትራልያ እንታይ ብሉጽ ኣገልግሎት እዮም ሂቦም፧