ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቱ ህይወት ኣድሒኑ

ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቱ ህይወት ኣድሒኑ

ብሰንበት 5 ጥሪ 2014፡ ሰርጅ ጀራርደ ናብቲ ኣብ ከባቢ ፓሪስ፡ ፈረንሳ ዚካየድ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣውቶቡስ እናተጓዕዘ ኸሎ ዜስካሕክሕ ሓደጋ ረኣየ። “ሓንቲ ማኪና ምስቲ ብካሻስትሩስ እተሰርሐ መከላኸሊ ድልድል ተጋጭያ፡ ሓፍ ኢላ ኣብ ኣየር ብምግልባጥ ናብቲ ብእግሪ እቲ ድልድል ዚሓልፍ ጽርግያ ብዝባና ወዲቓ ተባርዐት” ብምባል ከኣ ይትርኽ።

ሰርጅ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ዀይኑ ኺሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ከም ሓለቓ መጥፋእቲ ሓዊ መጠን ድማ ተቐላጢፉ ስጕምቲ ወሰደ። ሰርጅ፡ “ብኣንጻር ሸነኽ እታ ማኪና እትነደሉ ዝነበረት ጽርግያ ንጐዓዝ እኳ እንተ ነበርና፡ ነቲ መራሕ ማኪና ነታ ኣውቶቡስ ደው ኬብላ ሓቲተዮ፣ ሽዑ ወሪደ እናጐየኹ ናብታ እትነድድ ዝነበረት ማኪና ኸይደ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ሰርጅ፡ “ሓግዙኒ! ሓግዙኒ!” ዚብል ኣውያት ሰምዐ። ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “ባድላይ ተኸዲነ፡ ክራባታይ ኣሲረ እየ ነይረ፣ ዝዀነ ይኹን ናውቲ ድሕነት ድማ ኣይነበረንን። እቲ ኣውያት ግና ኪድሕኑ ዚኽእሉ ሰባት ከም ዘለዉ ዚሕብር እዩ ነይሩ።”

ሰርጅ ነታ ማኪና ብዙርያኣ ኪዀልላ ኸሎ፡ ሓደ ተሳፋሪ ደንዚዙ ረኣዮ፣ ናብ ውሑስ ቦታ ድማ ኣውጽኦ። ሰርጅ ቀጺሉ፡ “እቲ ተሳፋሪ፡ ገና ኽልተ ኻልኦት ኣብታ ማኪና ኸም ዘለዉ ነጊሩኒ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዙሓት ማካይን እየን ደው ኢለን ነይረን፣ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ሓያል ረስንን ሓውን ግና ሰባት ናብኡ ገጾም ኪቐርቡ ኣይከኣሉን” ይብል።

ገሊኦም መራሕቲ ዓበይቲ ማካይን መጥፍኢ ሓዊ ሒዞም መጺኦም። በቲ ሰርጅ ዝሃቦም መምርሒ ድማ መጥፍኢ ሓዎም ክሳዕ ዚውዳእ ነታ ማኪና ነፍሑላ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሓዊ ንግዜኡ ኸም ዚቕህም ገይርዎ። መራሕ እታ ማኪና ኣብ ትሕቲ እታ ማኪና ተቐርቂሩ ነበረ። ስለዚ፡ ሰርጅን ካልኦትን ኰይኖም ነታ ማኪና ሓፍ ኣቢሎም ነቲ መራሕ ማኪና ጐሲሶም ኣውጽእዎ።

ሰርጅ፡ “ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ እቲ ቕሂሙ ዝጸንሐ ሓዊ እንደገና ባግ ኢሉ ተባርዐ” ይብል። ገና ግና ካልእ ተሳፋራይ ምስ መቐነቱ፡ ቍልቁል ኣፉ ጠልጠል ኢሉ ነበረ። ሞተር ብሽክለታ ዚዝውሩ ሰባት ዚኽደንዎ ብቘርበት እተሰርሐ ኽዳን እተኸድነ፡ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ኻልእ ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ እውን መጸ። ሰርጅ፡ “እታ ማኪና ኽትፍንጀር ዝቐረበት ትመስል ከም ዘላ ነጊረዮም፣ ስለዚ ነቲ ሰብኣይ ብኢዱ ስሒብና ኣውጺእናዮ” በለ። ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ እታ ማኪና ተፈንጀረት።

ሓካይምን መጥፋእቲ ሓውን ምስ መጹ፡ ነቶም ግዳያት ረድኤት ገይሮምሎምን ነቲ ሓዊ ኣጥፊኦምዎን እዮም። ሰርጅ እውን ናይቲ ኢዱ እተሓርዶን ዝነደዶን ቀዳማይ ረድኤት ተገይሩሉ እዩ። ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ ጕዕዞኡ ንምቕጻል ናብ ኣውቶቡስ ምስ ተሰቕለ፡ ሓያሎ ሰባት ናብ ሰርጅ መጺኦም ኣመስጊኖምዎ እዮም።

ሰርጅ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኺሕግዝ ብምኽኣሉ ተሓጕሱ እዩ። “ብህይወት እቶም ሰባት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኸይ ተሓታቲ ኸም ዝዀንኩ እዩ ተሰሚዑኒ። ነዞም ሰባት ንምድሓን ክሕግዝ ምኽኣለይ ዕግበት ኣምጺኡለይ እዩ” ከኣ ይብል።