ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧

መርዓ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ገና ኣካታዒ ጕዳይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ 2015 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መርዓ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ኪኸውን ኣጽደቐ። ብድሕርዚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣብ ኢንተርነት ኪፍትሹ ጀመሩ። ሓደ ኻብቲ ብተደጋጋሚ እተሓትተ ሕቶታት፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መርዓ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት እንታይ ይብል፧” ዚብል እዩ ነይሩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጋዊ መሰላት መርዓ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ኣይገልጽን እዩ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግና ‘መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧’ ዚብል እዩ።

ሓያሎ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ኸይመርመሩ፡ ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ዚፈልጥዎ እዩ ዚመስሎም፣ እንተዀነ ግና እቲ ዚህብዎ መልሲ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ብንጹር ከም ዚዅንኖ እዮም ዚዛረቡ። ካልኦት ድማ፡ እቲ ‘ንብጻይካ ኣፍቅሮ’ ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓይነት ጾታዊ ኣነባብራ ኸም ዚድግፍ እዮም ዚዛረቡ።—ሮሜ 13:9

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ካብዚ ቐሪቡ ዘሎ ሓሳባት፡ ቅኑዕ ጌርካ እትርእዮ ኣየናይ እዩ፧

  1. መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ይዅንኖ እዩ።

  2. መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ይቕበሎ እዩ።

  3. መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶማውያን ክትጸልኦም የተባብዕ እዩ።

መልሲ፦

  1. ቅኑዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ግብረ ሶዶም ዚገብሩ . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” እዩ ዚብል። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እውን ዚውዕል እዩ።—ሮሜ 1:26

  2. ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪግበር ከም ዘለዎ እዩ ዚምህር።—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ ምሳሌ 5:18, 19

  3. ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ይዅንኖ እኳ እንተዀነ፡ ንግብረ ሶዶማውያን ኣቐዲምካ ኽትፈርዶምን ብጽልኢ ተለዓዒልካ ኣብ ልዕሊኦም ዓመጽ ክትፍጽምን ብሕማቕ ክትሕዞምን ኣየተባብዕን እዩ።—ሮሜ 12:18 [1]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ዝበለጸ መለክዒታት ህይወት ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ፣ በዚ ስርዓታት እዚ ኺምርሑ ድማ ይመርጹ እዮም። (ኢሳይያስ 48:17) [2] እዚ ማለት፡ ንግብረ ሶዶም እውን ሓዊስካ፡ ንዅሉ ጾታዊ ርኽሰት ይነጽግዎ እዮም። (1 ቈረንቶስ 6:18) [3] በዚ መገዲ እዚ ኺነብሩ እዮም ዚመርጹ፣ እዚ ድማ መሰሎም እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት፡ ከምቲ ኻልኦት ሰባት ንዕኦም ኪሕዝዎም ዚደልይዎ መገዲ ገይሮም ብምሓዝ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኺስዕብዋ እዮም ዚጽዕሩ

ምስናይዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላም ኪስዕቡ’ እዮም ዚመርጹ። (እብራውያን 12:14) ንግብረ ሶዶም ዚነጽግዎ እኳ እንተዀኑ፡ ካልኦት ንኣረኣእያኦም ኪቕበልዎ ኣየገድዱን፡ ኣብቲ ኣንጻር ግብረ ሶዶማውያን ዚግበር ጽልኢ እተሓወሶ ዓመጽ ኣይሳተፉን፡ ብዛዕባ እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ እውን ኣይሕጐሱን እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት፡ ከምቲ ኻልኦት ሰባት ንዕኦም ኪሕዝዎም ዚደልይዎ መገዲ ገይሮም ብምሓዝ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ኺስዕብዋ እዮም ዚጽዕሩ።—ማቴዎስ 7:12

መጽሓፍ ቅዱስ ጽልኢ የተባብዕ ድዩ፧

ገሊኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶማውያን ክትጸልኦም ከም ዜተባብዕን እቶም ብስርዓታቱ ዚምርሑ ንዕኦም ተጻዋርነት ከም ዘይብሎምን ይዛረቡ እዮም። ‘መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝነበሮም ግዜ እዩ ተጻሒፉ። ሎሚ ግና ነቶም እተፈላለየ ዓሌትን ዜግነትን ጾታዊ ምርጫን ዘለዎም ሰባት ንቕበሎም ኢና’ ድማ ይብሉ። ንግብረ ሶዶም ምንጻግ ከም እተፈልየ ሕብሪ ቘርበት ንዘለዎ ሰብ ምንጻግ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ንጽጽር እዚ ግና ርትዓዊ ድዩ፧ ኣይፋልን። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ፡ ኣብ መንጎ ንግብረ ሶዶማዊ ኣነባብራ ምንጻግን ነቶም ግብረ ሶዶም ዚፍጽሙ ሰባት ምንጻግን ፍልልይ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም እዩ ዚምህር። (1 ጴጥሮስ 2:17) [4] ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ክርስትያናት ንዅሉ ዓይነት ኣነባብራ ኪቕበልዎ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።

ነዚ ዚስዕብ ንጽጽር እሞ ርአ፦ ምትካኽ ሽጋራ ኸም ጐዳእን ዜጽልእን ጌርካ ኢኻ እትርእዮ ንበል። መሳርሕትኻ ሽጋራ ዜትክኽ ምስ ዚኸውንከ፧ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ዘሎካ ኣረኣእያ ኻብ ናቱ እተፈልየ ስለ ዝዀነ ጥራይ ከም ሓደ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ምተቘጸርካዶ፧ ወይ ንስኻ ሽጋራ ዘይተትክኽ ብምዃንካ ጥራይ ንመሳርሕትኻ ትጸልኦ ኢኻ ማለት ድዩ፧ መሳርሕትኻ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ ዘሎካ ኣረኣእያ ኽትቅይር ጸቕጢ እንተ ዚገብረልካኸ፡ ንሱ ደይኰነን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኸም ዘለዎን ተጻዋርነት ከም ዘይብሉን ዜርኢ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ተሰማሚዖም ኪነብሩ እዮም ዚመርጹ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዅንኖ ተግባራት ኣይድግፍዎን እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ናታቶም እተፈልየ ተግባራት ንዚፍጽሙ ሰባት ኣይጸርፍዎምን ወይ ኣይገፍዕዎምን እዮም።

ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ጭካነ ዚንጸባረቖ ድዩ፧

ብዛዕባ እቶም ግብረ ሶዶም ናይ ምፍጻም ዝንባለ ዘለዎም ሰባትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ድዮም ከምኡ ነይሮም፧ ከምኡ እንተ ዀይኖም፡ ባህግታቶም ኬርውዩ ምፍታኖም ከም ጌጋ ጌርካ ምርኣይ ጭካነዶ ኣይኰነን፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኡ ባህርያት ደቂ ሰብ ሱር ዝሰደደ ኸም ዝዀነ ይእመን እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ዝንባለ ግብረ ሶዶም ሓሳብ ኣይህብን እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ ንግብረ ሶዶም ሓዊስካ ንገሊኡ ዓይነት ኣነባብራ ኸነርሕቖ ኸም ዘሎና ይነግረና እዩ።—2 ቈረንቶስ 10:4, 5

ገሊኦም ሰባት፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ጭካነ ዚንጸባረቖ ምዃኑ እዮም ዚገልጹ። እዚ መግለጺ እዚ ግና ኣብቲ ባህግኻ ኽትፍጽም ከም ዘሎካ፡ ወይ ጾታዊ ባህጊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ኽትቈጻጸሮ ኸም ዘይብልካ፡ ክትቈጻጸሮ እውን ከም ዘይትኽእል ዚገልጽ ኣረኣእያ እተመርኰሰ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ደቂ ሰብ ንውሽጣዊ ባህግታቶም ኪቈጻጸርዎ ኸም ዚኽእሉ ብምግላጽ የኽብሮም እዩ። ከም እንስሳታት ዘይኰኑስ፡ ብውሽጣዊ ባህግታቶም ከይስነፉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎሴ 3:5 [5]

ነዚ ዚስዕብ ንጽጽር እሞ ርአ፦ ገሊኦም ክኢላታት፡ ከም ቍጥዐ ዝኣመሰለ ገሊኡ ጠባያት፡ ተፈጥሮኣዊ ጠንቂ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ይገልጹ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ጠንቂ ቝጥዐ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰባት ‘ቍጡዓት’ ወይ ‘ነደርቲ’ ኸም ዝዀኑ ግና ይእመን እዩ። (ምሳሌ 22:24፣ 29:22) ኰይኑ ግና፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ” እውን ይብል እዩ።—መዝሙር 37:8፣ ኤፌሶን 4:31

ነዚ ምዕዶ እዚ ዘይሰማምዑሉ ወይ ድማ እዚ ነቶም ናይ ምቝጣዕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ጭካነ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚርእይዎ ውሑዳት እዮም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቶም ቍጥዓ ኣብ ጂን ሓደ ሰብ ሱር ኪሰድድ ከም ዚኽእል ዚኣምኑ ኽኢላታት እውን ከይተረፉ፡ ንሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ድራኸታቶም ምእንቲ ኺቈጻጸርዎ ኺሕግዝዎም ይጽዕሩ እዮም።

ብተመሳሳሊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብቲ ምስ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ ዝዀነ ይኹን ኣነባብራ ኺርሕቁ ይጽዕሩ እዮም፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኽልተ ዘይተመርዓዉ ኣንጻር ጾታ ንዚግበር ጾታዊ ተግባራት ዜጠቓልል እዩ። እቲ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣ . . . ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ ድማ ኣይትመርሑ” ዚብል ምዕዶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ እዚ እተጠቕሰ መዳያት ዚውዕል እዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:4, 5

“ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም”

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቶም ክርስትያናት ኪዀኑ ዝደለዩ ሰባት፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታን ኣነባብራን ዝነበሮም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኣነባብራኦም ዓብዪ ለውጢ ዝገበሩ እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ኣመንዝራታት ኰኑ፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ኰኑ፡ ዘመውቲ ዀኑ፡ ኣባታቶም ግብረ ሶዶም ኪግበር ዚፈቕዱ ዀኑ” ድሕሪ ምዝራቡ፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” በለ።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገሌኻትኩም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም ኢኹም” ኪብል ከሎ፡ እቶም ግብረ ሶዶም ምግባር ዘቋረጹ፡ ብድሕሪኡ ዝዀነ ይኹን ትምኒት ግብረ ሶዶም ኣይነበሮምን ማለቱ ድዩ፧ ከምኡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ብመንፈስ ተመላለሱ፡ ትምኒት ስጋ ድማ ከቶ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” ብምባል ተማሕጺኑ እዩ።—ገላትያ 5:16

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ክርስትያን ዘይግቡእ ትምኒት ከቶ ኸም ዘይስምዖ ገይሩ ኸም ዘይገለጸ ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ትምኒት እቲ ንኸይፍጽም ኪመርጽ ከም ዚኽእል እዩ ገሊጹ። ክርስትያናት፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህግታት ኣብ ምፍጻሙ ኽሳዕ ዚበጽሑ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ኣብ ክንዲ ዚሓስቡ፡ ኪቈጻጸርዎ እዮም ዚጽዕሩ።—ያእቆብ 1:14, 15 [6]

በዚ ኸምዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ዝንባለን ተግባርን ፍልልይ ከም ዘሎ ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 7:16-25) ሓደ ግብረ ሶዶም ናይ ምፍጻም ዝንባለ ዘለዎ ሰብ፡ ልክዕ ከምቲ ንቝጥዓን ምንዝርናን ስስዐን ዝኣመሰለ ግጉይ ትምኒታትን ዝንባለታትን ኪቈጻጸሮ ዚኽእል፡ ነቲ ዚሓስቦ ነገራት እውን ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 9:27፣ 2 ጴጥሮስ 2:14, 15

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕልውዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልኦት ንኣረኣእያኦም ኪቕበልዎ ኣየገድዱን እዮም። ንሰብኣዊ መሰላት እቶም ካብ ናታቶም እተፈልየ ኣነባብራ ንዚነብሩ ሰባት ንምሕላው ዝቘመ ሕጊ ኪቕይርዎ እውን ኣይፍትኑን እዮም። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሰብክዎ መልእኽቲ ኣወንታዊ እዩ፣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተሃንጥዮም እዮም ዜካፍልዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20

^ 1. ሮሜ 12:18፦ “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”

^ 2. ኢሳይያስ 48:17፦ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”

^ 3. 1 ቈረንቶስ 6:18፦ “ካብ ምንዝርና ህደሙ!”

^ 4. 1 ጴጥሮስ 2:17፦ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ።”

^ 5. ቈሎሴ 3:5፦ “እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ . . . ቅተሉ።”

^ 6. ያእቆብ 1:14, 15፦ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ።”