ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ንለውጢ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ጸገም

  • ብሰንኪ ስራሕ ኣቦኻ ስድራ ቤትካ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ኣድልዩዋ ኣሎ።

  • ናይ ቀረባ ዓርክኻ ናብ ርሑቕ ቦታ ይግዕዝ ኣሎ።

  • ዓብዪ ሓውኻ (ወይ ሓብትኻ) ኺምርዖ ኻብ ገዛ ይወጽእ ኣሎ።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ብኸመይ ክትለምዶ ትኽእል፧

ንፋስ ኪመጽእ ከሎ እትቐንን ገረብ ብህቦብላ ኻብ ምስባር ክትድሕን ትኽእል እያ። ልክዕ ከምዛ ገረብ፡ ንስኻ እውን ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ዝዀነ ለውጥታት ኬጋጥመካ ኸሎ ኽትዕጸፍ ወይ ነቲ ለውጥታት ክትለምዶ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ቕድሚ ምምይያጥና ግና፡ ብዛዕባ ለውጢ ኽትፈልጦ ዘሎካ ገለ ነገራት እስከ ንርአ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ለውጢ ኸተወግዶ ዘይከኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ብምባል ብዛዕባ ደቂ ሰብ መሰረታዊ ሓቂ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 9:11) ውዒልካ ሓዲርካ፡ ሓቅነት እዘን ቃላት እዚአን ክትምከሮ ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ኵሉ እቲ ዜጓንፈካ ዘይተጸበኻዮ ኣጋጣሚ ሕማቕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ገሊኡ ኣብ ፈለማ ሕማቕ ዚመስል ለውጢ እውን ንጥቕምኻ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ሰባት ለውጢ ዘይብሉ ህይወት እዮም ዚፈትዉ፣ ከመይሲ፡ እቲ ለውጢ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ብዘየገድስ ኪለምድዎ ይኸብዶም እዩ።

ለውጢ ብፍላይ ንመንእሰያት ዜጨንቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ኣሌክስ * ዝስሙ መንእሰይ፡ “ድሮ ምስ ውሽጣዊ ለውጥታት ክትቃለስ ጸኒሕካ፡ ግዳማዊ ለውጥታት ምስ ዚውሰኾ ጭንቀትካ መሊሱ ይገድድ” ብምባል ይገልጽ።

ካልእ ምኽንያት ድማ፡ በጽሕታት ለውጢ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንተመሳሳሊ ዅነታት ብኸመይ ከም እተዋጽእሉ ብሕታዊ ተመክሮኦም ኪውከሱ ይኽእሉ እዮም። መንእሰያት ግና ብዙሕ ተመክሮ የብሎምን።

ክትለምዶ ትኽእል ኢኻ። ምውህሃድ ኪብሃል ከሎ ንሕማቕ ኵነታት ወይ ለውጢ ምልማድ ማለት እዩ። ሓደ ምስ ለውጢ ዚውሃሃድ ሰብ፡ ንሓድሽ ኵነታት ይጻወሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዚመስል ኵነታት እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ የስተውዕል እዩ። ምስ ሓድሽ ኵነታት ዚውሃሃዱ ዀተቴታት፡ ጸገማት ኪዕብልሎም ከሎ፡ ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ንኺወስዱ ዘለዎም ኣጋጣሚ ጸቢብ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንኽውንነት ተቐበሎ፦ ንህይወትካ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸራ ኸም እትደሊ ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ኣዕሩኽካ ናብ ርሑቕ ቦታ ኺግዕዙ ወይ ኪምርዓዉ፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ድማ ዓብዮም ካብ ገዛ ኺወጹ ይኽእሉ እዮም፣ ኵነታት ስድራ ቤትካ እውን ኣዕሩኽካን ካልእ ዝለመድካዮ ነገራትን ሓዲግካ ናብ ካልእ ቦታ ኽትግዕዝ ኬገድደካ ይኽእል እዩ። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኺዕብልለካ ኣብ ክንዲ እትፈቅድ ንኽውንነት ክትቅበሎ ይሓይሽ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 7:10

ኣብ መጻኢ ኣተኵር፦ ኣብ ሕሉፍ ምትኳር፡ ከም ኣብ ሓደ ዓብዪ ጐደና ማኪና እናዘወርካ ኣዒንትኻ ኣብቲ ንድሕሪት ዜርኢ መስትያት ምትኳር እዩ። ሓሓሊፍካ ናብኡ ምጥማት ኣድላዪ እኳ እንተዀነ፡ ናብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ጐደና ኸተተኵር እዩ ዚግብኣካ። ብተመሳሳሊ፡ ለውጢ ኼጋጥመካ ኸሎ እውን ኣዒንትኻ ኣብ መጻኢ ኸም ዜተኵራ ግበር። (ምሳሌ 4:25) ንኣብነት፡ ንዚመጽእ ወርሒ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ እንታይ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል፧

ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር፦ ላውራ ዝስማ መንእሰይ፡ “ምስ ኵነታት ምውህሃድ ኣብ ኣመለኻኽታኻ እዩ ዚምርኰስ፣ ኣወንታዊ መዳያት እቲ ዘለኻዮ ዅነታት ኣለሊ” ትብል። እንተ ወሓደ፡ ሓደ ኻብቲ እዚ ሓድሽ ኵነታትካ ዘለዎ ብልጫ ኽትጽሕፍ ትኽእልዶ፧—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 6:9

ሓንቲ ቪክቶርያ ዝስማ መንእሰይ፡ ኰተቴ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ዅሎም ናይ ቀረባ ፈተውታ ናብ ካልእ ቦታ ኸም ዝገዓዙ ትገልጽ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ጽምዋ ተሰምዓኒ፣ ኵሉ ነገር ከም ቀደሙ እንተ ዚቕጽል ተመነኹ። ሕጂ ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ ግና፡ ሽዑ እየ ናይ ሓቂ ዕቤት ክገብር ጀሚረ። ዕቤት ንምግባር ለውጢ ኸም ዚሓትት ድማ ተገንዘብኩ። ሓደስቲ ፈተውቲ ንኸጥሪ ኣጋጣሚ ኸም ዘሎኒ እውን ከስተብህል ጀመርኩ።”—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 27:10

ኣብ ሕሉፍ ምትኳር፡ ከም ኣብ ሓደ ዓብዪ ጐደና ማኪና እናዘወርካ ኣዒንትኻ ኣብቲ ንድሕሪት ዜርኢ መስትያት ምትኳር እዩ

ንኻልኦት ሰናይ ግበር፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ይብል። (ፊልጲ 2:4) ንኻልኦት ጸገሞም ንኺዋጽኡሉ ምሕጋዝካ፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዘካ እዩ። ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ኣና፡ “እናዓበኹ ብዝኸድኩ፡ ንሓደ ኸም ናተይ ወይ ካብ ናተይ ዝኸፍአ ዅነታት ዘለዎ ሰብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ” በለት።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።