ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብጸጋ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም

ብጸጋ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም

“ኣብ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይምለኽኩም።”—ሮሜ 6:14

መዝሙር፦ 2, 29

1, 2. ሮሜ 5:12 ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገድሶም ስለምንታይ እያ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎን ብዙሕ ዚጥቀሙሉን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትዝርዝር እንተ ትደሊ፡ ሮሜ 5:12 ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ጥቕስታትዶ ኣይምዀነትን፧ እታ ብዙሕ ሳዕ እትጥቀስ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”

2 እታ ጥቕሲ እቲኣ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ደቅኻ ወይ ምስ ካልኦት ኣብ እተጽንዓሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን ብዛዕባ እቲ በጃን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ኣብ ምዕራፍ 356ን ክትመያየጡ ኸለኹም፡ ንሮሜ 5:12 ኣንቢብካያ ትኸውን ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንሮሜ 5:12 ምስቲ ንስኻ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብን ምስ ተግባራትካን ምስ መጻኢኻን ብእተተሓሓዘ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እተስተንትነላ፧

3. ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘለና ኢና ኣሚንና ኽንቅበሎ ዘሎና፧

3 ኵላትና ሓጥኣን ምዃንና ኣሚንና ኽንቅበሎ ዘሎና ጕዳይ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ጌጋታት ንገብር ኢና። ኣምላኽ ግና ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ፣ ምሕረት ኪገብረልና እውን ፍቓደኛ እዩ። (መዝ. 103:13, 14) የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ፡ ንኣምላኽ፡ “ሓጢኣትና ሕደገልና” ኢልና ኽንልምኖ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ. 11:2-4) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ይቕረ ዝበለልና ጌጋታት ቀጻሊ እንሓስበሉ ምኽንያት የብልናን። ይኹን እምበር፡ ከመይ ገይሩ ይቕረ ኸም ዚብለልና ምሕሳብና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ።

ብጸጋ ይቕረ ተባሂሉልና

4, 5. (ሀ) ነቲ ኣብ ሮሜ 5:12 ዘሎ ሓሳብ ክንርድኦ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ሮሜ 3:24 ተጠቒሱ ዘሎ “ጸጋ” እንታይ እዩ፧

4 ኣብተን ኣብ ከባቢ ሮሜ 5:12 ዚርከባ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈን ምዕራፋት፡ ብሕልፊ ኣብ ምዕራፍ 6፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንረክብ ኢና። እዚ ሓበሬታ እዚ ድማ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንርዳእ የኽእለና። ንኣብነት፡ ኣብ ምዕራፍ 3፡ ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኵሎም ሓጢኦም፡ . . . በቲ ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ ድማ፡ ብናጻ ውህበት ብጸጋኡ እዮም ዚጸድቁ።” (ሮሜ 3:23, 24) ጳውሎስ “ጸጋ” ኺብል ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ፧ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ብመሰረት ሓደ መወከሲ፡ “ይግብኣኒ ዘይብሃል ወይ ውሬታ ኪኽፈሎ ትጽቢት ዘይግበረሉ ብናጻ ዚውሃብ ሞገስ” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። እቲ ተቐባሊ ሳላ ዋጋ ጻዕሩ ዚውሃቦ ወይ ዚግብኦ ዀይኑ ዚውሃቦ ኣይኰነን።

5 ጆን ፓርክሀርስት ዝስሙ ምሁር ድማ፡ “ብዛዕባ ኣምላኽ ወይ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ዚዝረበሉ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ [እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል] ብፍላይ ንናጻን ንዘይግባእን ሞገስ ወይ ኣብ ብጀዋን ድሕነትን ሰብ ንዚግበር ለውሃት ተመልክት” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም “ጸጋ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣምላኽ ጸጋኡ ዚገልጸልና ግና ብኸመይ እዩ፧ ምስ ተስፋናን ምስቲ ምስኡ ዘሎና ርክብንከ ብኸመይ ትተኣሳሰር፧ እስከ ንመርምር።

6. ጸጋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኺጠቅም ዚኽእል፧

6 እቲ ብእኡ ኣቢሉ ሓጢኣትን ሞትን “ናብ ዓለም ዝኣተወ” እተባህለሉ “ሓደ ሰብ፡” ኣዳም እዩ። ስለዚ፡ “ብኣበሳ እቲ ሓደ፡ ሞት በቲ ሓደ . . . ነገሰ።” ከምቲ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ ዝገለጾ ድማ፡ “ብዙሕ ጸጋ . . . በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ” መጸ። (ሮሜ 5:12, 15, 17) እቲ ጸጋ እቲ ኸኣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ጥቕምታት ኣምጺኡሎም እዩ። “ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ [ማለት የሱስ]፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።” ብልክዕ ንምዝራብ፡ ጸጋ ኣምላኽ “ብየሱስ ክርስቶስ . . . ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪመርሕ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 5:19, 21

7. እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ በጃ መግለጺ ጸጋኡ እዩ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ንወዱ በጃ ኪኸውን ኢሉ ኺልእኮ ግዴታ ኣይነበሮን። ሓጥኣን ሰባት እውን ነቲ ንይቕረታ መሰረት ዝዀነ ኣምላኽ ዘዳለዎን የሱስ ዝኸፈሎን በጃ ይግብኣና ኺብልዎ ዚኽእሉ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ይቕረታን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ምርካብና፡ ብሓቂ መግለጺ ጸጋኡ፡ ማለት ይግብኣና ዘይንብሎ ለውሃት እዩ። እምበኣር፡ ንውህበት ጸጋ ኣምላኽ ኣኽቢርና ኽንርእዮን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብእኡ ኽንጽሎን ኣሎና።

ንጸጋ ኣምላኽ ኣመስገንቲ ምዃን

8. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ሓጢኣቶም እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዚኽእል፧

8 ዘይፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ብምዃንና፡ ብቐሊሉ ንጋገን ክፉእ ንገብርን ንሓጥእን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ‘ኣምላኽ ከም ሓጢኣት ዚርእዮ ጌጋ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ክጭነቕ የብለይን። የሆዋ ይቕረ ይብለለይ እዩ’ ኢልና ንጸጋ ኣምላኽ ከም መመኽነይታ ምስ እንጥቀመሉ ዓብዪ ጌጋ ኢና እንገብር። እቲ ዜሕዝን፡ ገለ ሃዋርያት ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ነይርዎም እዩ። (ይሁዳ 4 ኣንብብ።) ንሕና ባዕልና ኸምዚ ዓይነት ሓሳብ ኣይነውስእን ንኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ዘርኢ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ውሽጥና ኺህሉ ወይ ካልኦት ኪዘርእዎ እሞ ኺዓቢ ይኽእል እዩ።

9, 10. ጳውሎስን ካልኦትን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዝወጹ ብኸመይ እዮም፧

9 ጳውሎስ ነቲ፡ ‘ኣምላኽ ይርድኣለይ እዩ። ንግጉይ ተግባራተይ ዕሽሽ ኪብሎ እዩ’ ዚብል ኣረኣእያ ብጽኑዕ ክንነጽጎ ኸም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፉ ዝገለጾ፡ ክርስትያናት “ንሓጢኣት ምዉታት” እዮም። (ሮሜ 6:1, 2 ኣንብብ።) እቶም ክርስትያናት እቲኦም ገና ኣብ ምድሪ ህያዋን ከለዉ፡ ከመይ ጌርካ እዮም “ንሓጢኣት ምዉታት” እተባህሉ፧

10 ኣምላኽ በቲ በጃ ኣቢሉ፡ ንጳውሎስን ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኻልኦትን ሓጢኦቶም ይቕረ ኢሉሎም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ቀቢእዎም፡ መንፈሳውያን ደቁ እውን ገይርዎም እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ሰማያዊ ተስፋ ኺህልዎም ክኢሉ። እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባርን ናይ ምግዛእን ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ምድሪ ንኣምላኽ እናኣገልገሉ ገና ብህይወት ከለዉ፡ ጳውሎስ፡ “ንሓጢኣት ምዉታት” ከም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ተዛሪቡሎም። ነቲ ሰብ ኰይኑ ዝሞተ፡ ዘይመውት መንፈስ ኰይኑ ድማ ናብ ሰማይ ዝተንስአ የሱስ እውን ከም ኣብነት ተጠቒሙሉ እዩ። ንየሱስ ደጊም ሞት ኣይመልኮን እዩ። ኣብቶም ‘ንሓጢኣት ምዉታት ዝዀኑ፡ ንኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ህያዋን ዝዀኑ’ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 6:9, 11) ኣነባብራኦም ከምቲ ኣቐዲሞም ዝነበርዎ ኣይኰነን ነይሩ። ንድርኺት ወይ ንድፍኢት ሓጥእ ትምኒቶም ደጊም ኣይእዘዙን እዮም ነይሮም። ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኦም ሞይቶም እዮም ነይሮም።

11. ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ዘሎና ዘበልና፡ “ንሓጢኣት ምዉታት” ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧

11 ንሕናኸ፧ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃንና፡ ተግባራትና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ወይ ክፉእ ምዃኑ ኸይፈለጥና ንሓጥእ ኔርና ኢና። ‘ባሮት ርኽሰትን ጥሕሰት ሕግን’ ኢና ኔርና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ባሮት ሓጢኣት” ኢና ኔርና። (ሮሜ 6:19, 20) ድሕሪኡ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊጥና፡ ኣብ ህይወትና ለውጥታት ጌርና፡ ርእስና ንኣምላኽ ወፊና፡ ከምኡ ድማ ተጠሚቕና ኢና። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ንትምህርትታትን ንስርዓታትን ኣምላኽ ‘ካብ ልቢ ኽንእዘዝ’ ድሌት ኣሕዲርና ኢና። ‘ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺእና፡ ባሮት ጽድቂ እውን ኴንና’ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ሮሜ 6:17, 18) ስለዚ፡ ብዛዕባና እውን “ንሓጢኣት ምዉታት” ተባሂሉ ኺዝረብ ይከኣል እዩ።

12. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ምርጫ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

12 ሕጂ፡ ነተን፡ “ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ፡ ምስ ርእስኻ እተሓሒዝካ ሕሰበለን። (ሮሜ 6:12) ዘይፍጹም ሰብነትና ዝደረኸና ዘበለ ምስ እንገብር፡ ‘ሓጢኣት ኣባና ይነግስ’ እዩ። ሓጢኣት ኣባና ኸም ዚነግስ ወይ ከም ዘይነግስ ክንገብር እንኽእል ባዕልና ስለ ዝዀንና፡ ልብና ብሓቂ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ነዚ ንምፍላጥ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልኻ ሕተት፦ ‘ሓድሓደ ግዜ፡ ንዘይፍጹም ሰብነተይ ወይ ኣእምሮይ ናብ ክፉእ ኣንፈት ኪመርሓኒ እፈቕደሉ ድየ፡ ወይስ ንሓጢኣት ምዉት እየ፧ ብክርስቶስ የሱስከ ንኣምላኽ ህያው ድየ፧’ ነቲ ኣምላኽ ብጸጋኡ ዝገበረልና ይቕረታ ብሓቂ እነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ባህ ከነብሎ ብዙሕ ኢና እንጽዕር።

ክንዕወተሉ እንኽእል ቃልሲ

13. ንሓጢኣት ክንሓድጎ ኸም እንኽእል ዜተኣማምነና እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

13 ክርስትያናት ንየሆዋ ቕድሚ ምፍላጦምን ምፍቃሮምን ምግልጋሎምን፡ ነቲ ‘ዜፍርይዎ ዝነበሩ ፍረ’ ኺሓድግዎ ነይርዎም እዩ። ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም፡ ‘ሕጂ ዚሓፍሩሉን’ መወዳእታኡ ሞት ዜስዕብን ነገራት ይገብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 6:21) ድሕሪኡ ግና ለውጢ ገይሮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ከምኡ እዮም ገይሮም። ገሊኣቶም፡ ኣምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ግብረ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ሰኽራማት፡ ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚገብሩ እዮም ነይሮም። ግናኸ፡ ‘ተሓጺቦምን ተቐዲሶምን’ እዮም። (1 ቈረ. 6:9-11) ኣብ ጉባኤ ሮሜ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ነይርዎም። ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ብዛዕባኦም ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ሰብነትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ጌርኩም ንሓጢኣት ኣይተቕርቡ፣ የግዳስ፡ ርእስኹም ካብ ምዉታት ህያው ከም ዝዀነት ጌርኩም፡ ሰብነትኩም እውን ኣጽዋር ጽድቂ ጌርኩም ንኣምላኽ ኣቕርቡ።” (ሮሜ 6:13) ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃት ኰይኖም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዚጥቀሙ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።

14, 15. ‘ካብ ልቢ ብዛዕባ ምእዛዝ’ እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

14 ሎሚ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓደ እዋን ከምቶም ሰብ ቈረንቶስ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ተቐዪሮም እዮም። ሕሉፍ መገዲ ሓጢኣቶም ሓዲጎምን ‘ተሓጺቦምን’ እዮም። ቀደም ዝነበረካ ኣነባብራ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ኢኻ እትርአ፧ ጸጋ ኣምላኽን እዚ ዜምጽኦ ይቕረታን ስለ ዝረኸብካ፡ ‘ሰብነትካ ንሓጢኣት ከይተቕርብ፡’ ኣብ ክንዳኡስ ‘ርእስኻ ኻብ ምዉታት ህያው ከም ዝዀነት ጌርካ ንኣምላኽ ከተቕርብ’ ቈሪጽካዶ ኣለኻ፧

15 ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር፡ ካብቲ ገሊኦም ሰብ ቈረንቶስ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኸቢድ ሓጢኣት ክንርሕቕ ከም ዘሎና ዜተሓታትት ኣይኰነን። ጸጋ የሆዋ ኽንቅበል፡ ‘ሓጢኣት ዘይመልከና’ እውን ክንከውን እንተ ዄንና፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ከም ንእሽቶ ገይሮም ካብ ዚርእይዎ ሓጢኣት እውን ንምርሓቕ ዚከኣለና ብምግባር ‘ካብ ልቢ ኽንእዘዝ’ ቈሪጽና ዲና፧—ሮሜ 6:14, 17

16. ካብ ከቢድ ሓጢኣት ምርሓቕ ጥራይ ንሓደ ክርስትያን እኹል ከም ዘይኰነ ብኸመይ ንፈልጥ፧

16 ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ እሞ ንሕሰብ። ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 እተጠቕሰ ዓይነት ከቢድ ኣበሳ ኸም ዘይገበረ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓጥእ ምዃኑ ተኣሚኑ እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ “ኣነ . . . ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣለኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 7:14, 15) እዚ ኸኣ ጳውሎስ ከም ሓጢኣት ገይሩ ዝረኣዮ ኻልእ ነገራት ከም ዝነበረ ይሕብር። (ሮሜ 7:21-23 ኣንብብ።) ‘ካብ ልቢ ኽንእዘዝ’ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንሕና እውን ንዕኡ ንምሰሎ።

17. ስለምንታይ ኢኻ ብቕንዕና ኽትመላለስ እትደሊ፧

17 ንኣብነት፡ ብዛዕባ ቕንዕና እስከ ንሕሰብ። ቅንዕና ኣብ ክርስትና እተድሊ መሰረታዊ ባህርይ እያ። (ምሳሌ 14:5፣ ኤፌሶን 4:25 ኣንብብ።) ሰይጣን “ኣቦ ሓሶት” እዩ። ሃናንያን ሰበይቱን ብሰንኪ ሓሶት እዮም ህይወቶም ስኢኖም። ነዚኣቶም ክንመስሎም ኣይንደልን ኢና፣ ስለዚ፡ ኣይንሕሱን ኢና። (ዮሃ. 8:44፣ ግብ. 5:1-11) ግናኸ፡ ቅንዕናና ኣብዚ ጥራይ ድያ ተሓጺራ እትተርፍ፧ ከም ሓቂ፡ ቅንዕናና ነቲ ንጸጋ ኣምላኽ ዘሎና ብዙሕ ምስጋና እተንጸባርቕ ክትከውን ኣለዋ።

18, 19. ቅንዕና ኺብሃል ከሎ፡ ንጹር ሓሶት ዘይምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ዜጠቓልል ብኸመይ እዩ፧

18 ሓሶት ኪብሃል ከሎ፡ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ምዝራብ ማለት እዩ። ግናኸ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ንጹር ሓሶት ዘይምዝራብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም። ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ቅዱሳት ኪዀኑ ዚኽእሉሉ ኣብነታት ሂብዎም እዩ። ንኣብነት፡ “ኣይትስረቑ፡ ኣይተታልሉ፡ ንሓድሕድኩም ከኣ ኣይትተሓሳሰዉ” ኢልዎም እዩ። (ዘሌ. 19:2, 11) ሓደ ሰብ ንጹር ሓሶት ከይተዛረበ፡ ንኻልኦት ኬታልል ወይ ኪሕስዎም ይኽእል እዩ።

ከይትሕሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከይተታልል እውን ቈሪጽካ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)

19 ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንኣስራሒኡ ወይ ንመሳርሕቱ፡ ንጽብሒቱ ናይ “ሕክምና” ቘጸራ ስለ ዘለዎ፡ ናብ ስራሕ ከም ዘይመጽእ ወይ ካብ ስራሕ ብኣጋኡ ኸም ዚወጽእ ኪነግር ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ እቲ ናይ “ሕክምና” ቘጸራ ኢሉ ዘቕረቦ መመኽነይታ፡ ናብ ፋርማሲ ስለ ዚእለ ወይ ኪኸፍሎ ዚግባእ ክፍሊት ንምኽፋል ናብ ክሊኒክ ስለ ዚእለ እዩ። ናብ ስራሑ ዘይመጸሉ ወይ ካብ ስራሑ ብኣጋኡ ዚወጸሉ ናይ ሓቂ ምኽንያት፡ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ገምገም ባሕሪ ኸይዱ ንምዝንጋዕ ኢሉ እዩ። እቲ ናይ “ሕክምና” ቘጸራ ኢሉ ዘቕረቦ መመኽነይታ እተወሰነ ሓቅነት ኪህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ኺብል ከሎ ብቕንዕና ድዩ ዚመላለስ ነይሩ ወይስ የታልል፧ ብዘይካዚ፡ ንሰባት ኰነ ኢልካ ንምትላል ዚግበር ካልእ ኣብነታት ትፈልጥ ትኸውን። ምናልባት ካብ መቕጻዕቲ ንምምላጥ ወይ ንኻልኦት ክትብለጸሎም ኢልካ ኸምኡ ይግበር ይኸውን። ንጹር ሓሶት እኳ እንተ ዘይተዘርበ፡ ኣምላኽ ግና፡ “ኣይተታልሉ” ኢሉ እዩ ኣዚዙና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሮሜ 6:19 ዚርከብ፡ “ኣካላትኩም ነቲ ናብ ቅድስና ዚመርሕ ጽድቂ ኸም ባሮት ጌርኩም ኣቕርቡ” ዚብል ቃላት እውን ንሕሰብ።

20, 21. ጸጋ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኺድርኸና ዚግባእ፧

20 ንጸጋ ኣምላኽ እነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ካብ ዝሙት፡ ስኽራን፡ ወይ ካብ ከም ናይ ሰብ ቈረንቶስ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ኢና እንገብር። ጸጋ ኣምላኽ ምቕባል ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ምንዝርና ምርሓቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዕሉግ መዘናግዒ ንምርኣይ ምስ ዘሎና ትምኒት ምቅላስ እውን የጠቓልል። ኣካላትና ንጽድቂ ኸም ባሮት ጌርና ምቕራብ ኪብሃል ከሎ፡ ዘይምስካር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ጥቓ ስኽራን ዘይምስታይ እውን የጠቓልል። ምስ ግጉይ ተግባራት ንምቅላስ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ክንዕወተሉ እንኽእል ቃልሲ እዩ።

21 ከቢድ ኰነ ቀሊል ካብ ዚብሃል ሓጢኣት ክንርሕቕ ሸቶ ኽንገብር ኣሎና። ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ነዚ ኽንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ከም ጳውሎስ ግና፡ ከምኡ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና። ጳውሎስ ንኣሕዋቱ፡ “ንትምኒት ሰብነትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፡ ሓጢኣት ኣብቲ መዋቲ ሰብነትኩም ኣይንገስ” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (ሮሜ 6:12፣ 7:18-20) ምስ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ክንቃለስ ከለና፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተገብረልና ጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እነመስግነሉ ነርኢ ኢና።

22. ነቶም ንጸጋ ኣምላኽ ዜመስግኑሉ ሰባት እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

22 ብጸጋ ኣምላኽ ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ፣ ብሕጂ እውን ኪሕደገልና እዩ። ነዚ ነመስግነሉ ኻብ ኰንና እምበኣር፡ ካብቲ ገሊኦም ንእሽቶ ዚብልዎ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ንምርሓቕ ዚከኣለና ንግበር። ጳውሎስ ነቲ እንረኽቦ ዓስቢ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣጕሊሕዎ ኣሎ፦ “ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ባሮት ኣምላኽ እውን ስለ ዝዀንኩም፡ ብመገዲ ቕድስና ተፍርዩ ኣለኹም፣ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”—ሮሜ 6:22