ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ

ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ

“[የሆዋ] ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።” —1 ጴጥ. 5:7

መዝሙር፦ 38, 7

1, 2. (ሀ) ምስ እንጭነቕ ኪገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ጭንቀት ኣብ ዝመልኦ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ሰይጣን ድያብሎስ ኣዝዩ ተቘጢዑ ስለ ዘሎ፡ “ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።” (1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 12:17) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓድሓደ እዋን እንተ ተጨነቕና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ከም ዳዊት ዝኣመሰሉ ጥንቲ ዝነበሩ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ሓድሓደ ግዜ ‘ይጭነቑ’ ነይሮም እዮም። (መዝ. 13:2) ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ንዅለን ጉባኤታት ዚጭነቖ ጭንቀት’ ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:28) እሞኸ፡ ብጭንቀት ክንውሓጥ ከለና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

2 እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቱ ሓጊዝዎም እዩ፣ ሎሚ እውን ንዓና ኻብ ጭንቀትና ምእንቲ ኽንገላገል ኪሕግዘና ይደሊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም [“ሓልዮትኩም፡” እ.ጽ.] ናብኡ ደርብይዎ” ይብለና። (1 ጴጥ. 5:7) ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእለሉ ኣርባዕተ መገዲ ኽንርኢ ኢና። እዚ ድማ፡ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ንየሆዋ ብምሕታት፡ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ዚስምዓካ ብምዝራብ እዩ። ነዚ ኣርባዕተ መገዲ ኽንምርምር ከለና፡ ነየናይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ከም እትደሊ ሕሰብ።

“ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ”

3. ‘ጾርካ ናብ የሆዋ ኽትድርቢ’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

3 ክንወስዶ ዘሎና ቐዳማይ ስጕምቲ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ምቕራብ እዩ። ስክፍታ፡ ሻቕሎት፡ ወይ ጭንቀት ዚፈጥረልካ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ልብኻ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ ኣፍስስ። ዳዊት ንየሆዋ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ንጸሎተይ ጽን በል” ኢሉ ለመኖ። ጸኒሑ እውን፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 55:1, 22) ዜጋጠመካ ሽግር ክትፈትሕ ዝከኣለካ ምስ ገበርካ እትጽልዮ ልባዊ ጸሎት፡ ከይትጭነቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ጸሎት ብዚርብሽ ሓሳባትን ብጓህን ከይትውሓጥ ኪሕግዘካ ዚኽእል ግና ብኸመይ እዩ፧—መዝ. 94:18, 19፡ እ.ጽ.።

4. ክንጭነቕ ከለና፡ ምጽላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ፊልጲ 4:6, 7የሆዋ ነቲ ኸይተሓለልና ኻብ ልብና እንምህለሎ ምህለላ ምላሽ ይህበሉ እዩ። ብኸመይ፧ ንልብናን ንኣእምሮናን ካብ ዚርብሽ ሓሳባት ናጻ ኺገብሮ ዚኽእል ውሽጣዊ ህድኣት ብምሃብ እዩ። ሓያሎ ሰባት ነዚ ተመኲሮምዎ እዮም። ኣብ ክንዲ ብጭንቀትን ብዚርብሽ ሓሳባት ዚሳቐዩ፡ ሰብ ኪሓስቦ ኻብ ዚኽእል ንላዕሊ ዝዀነ ሰላምን ህድኣትን ኪረኽቡ ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ። ንዓኻ እውን፡ “ሰላም ኣምላኽ” ንዝዀነ ይኹን ጸገም ከተሰንፎ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ነቲ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ” ዚብል የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳ. 41:10

ካብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ውሽጣዊ ሰላም

5. ቃል ኣምላኽ ውሽጣዊ ሰላም ኪህበና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ውሽጣዊ ሰላም ክንረኽበሉ እንኽእል ካልኣይ መገዲ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጭንቀት ከተወግድ፡ ክትንኪ፡ ወይ ክትጻወር ዚሕግዘካ ግብራዊ ዝዀነ መንፈሳዊ መምርሒ ሒዙ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ቃላት ጥበብ ፈጣሪና ስለ ዝሓዘ፡ ጠቓምን ዜሐድስን መጽሓፍ ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ። ቀትሪ ይኹን ለይቲ ብዛዕባ ሓሳባት ኣምላኽ ምስ እተስተንትንን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ግብራዊ መምርሒ ብኸመይ ብብሉጽ መገዲ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ምስ እትሓስብን፡ ብዙሕ ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ። የሆዋ፡ ቃሉ ምንባብ ‘ተባዕን ብርቱዕን’ ምስ ምዃንን ምስ ‘ዘይምፍራህን’ ኣተሓሒዙ ገሊጽዎ ኣሎ።—እያ. 1:7-9

6. ቃላት የሱስ እንታይ ኣወንታዊ ጽልዋ እዩ ኼሕድረልካ ዚኽእል፧

6 ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ዜህድእ ቃላት የሱስ ንረክብ ኢና። ቃላትን ትምህርትታትን የሱስ ንሰማዕቱ ዕረፍቲ ዚህብ እዩ ነይሩ። ንጕሁይ ልቢ የህድእ፡ ንድኹም የበርትዕ፡ ንእተጨነቐ የጸናንዕ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ብእኡ ይስሓቡ ነበሩ። (ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ።) ካልኦት ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ንዜድልዮም ነገራት ፍቕራዊ ሓልዮት የርኢ ነበረ። (ማር. 6:30-32) ከምቲ የሱስ ነቶም ምስኡ ዚኸዱ ዝነበሩ ሃዋርያት ከም ዚሕግዞም ቃል ዝኣተወሎም፡ ንዓና እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓገዙ ንምርካብ ከም ሃዋርያት ብኣካል ምስ የሱስ ክንከውን ኣየድልየናን እዩ። የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ይድንግጸልና እዩ። ስለዚ፡ ክትጭነቕ ከለኻ ‘ብግዜኡ ኺረድኣካ’ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ጭንቀት ክትጻወር ዜኽእለካ ተስፋን ትብዓትን ኪህበካ ይኽእል እዩ።—እብ. 2:17, 18፣ 4:16

ብመንፈስ ኣምላኽ ዚፈሪ ኣምላኻዊ ባህርያት

7. መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ምስ እትሓትት እሞ፡ ኣምላኽ ምላሽ ምስ ዚህበካ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧

7 የሱስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ዚሓትትዎ ዘበሉ መንፈስ ቅዱሱ ኸም ዚህቦም ኣተስፍዩ እዩ። (ሉቃ. 11:10-13) እቲ ጭንቀትካ ዜፋዅስ ሳልሳይ መገዲ ኸኣ እዚ እዩ። እወ፡ ፍረ መንፈስ ምፍራይ ጭንቀትካ ኸተፋዅስ እትኽእለሉ ሓያል መገዲ እዩ። በቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዚፈሪ ኣወንታዊ ባህርያት፡ ባህርያት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23 ኣንብብ፣ ቈሎ. 3:10) ፍረ መንፈስ ከተፍሪ ኸለኻ ኸኣ፡ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ይመሓየሽ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ጭንቀት ኪፈጥር ዚኽእል ብዙሕ ኵነታት ከተወግድ ትኽእል ኢኻ። ፍረ መንፈስ ምፍራይ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል እስከ ሕሰብ።

8-12. ፍረ መንፈስ ኣምላኽ፡ ኬጨንቐካ ንዚኽእል ኵነታት ክትዋጽኣሉ ወይ ከተወግዶ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

8 “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም።” ንኻልኦት ብኣኽብሮት ክትሕዞም ምስ እትጽዕር፡ ነቲ ዚስምዓካ ኣሉታዊ ስምዒታት ብዝያዳ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ሕውነታዊት ፍቕርን ኣኽብሮትን ተርኢ እንተ ዄንካ፡ ጭንቀት ዚፈጥር ነገራት ከተወግድ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 12:10

9 “ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት።” ነቲ፡ “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ” ዚብል ምዕዶ ምስ እትስዕብ ሰላማዊ ርክብ ኢኻ እትፈጥር። (ኤፌ. 4:32) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ጭንቀት ኪፈጥር ዚኽእል ኵነታት ከተወግድ ትኽእል ኢኻ። ብሰንኪ ዘይፍጽምና ደቂ ሰብ ንዚፍጠር ኵነታት እውን ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

10 “እምነት።” ሎሚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ገንዘብን ጥሪትን ኢና እንጭነቕ። (ምሳ. 18:11) ስለዚ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዚሓልየልካ ብጽኑዕ ምስ እትኣምን፡ ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ ወይ ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ዘሎኩም . . . ዕገቡ” ኢሉ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ። ጳውሎስ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦ “[ኣምላኽ] ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ . . . ስለዚ፡ ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።”—እብ. 13:5, 6

11 “ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት።” ነዚ ባህርያት እዚ ምምዕባል ክሳዕ ክንደይ ጠቓምን ውጽኢታውን ከም ዝዀነ ሕሰብ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኬጨንቐካ ዚኽእል ተግባራት ካብ ምግባር ክትቍጠብ ትኽእል ኢኻ፣ “ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን” ምስ እተርሕቕ እውን ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ።—ኤፌ. 4:31

12 ኣብታ “ሓያል ኢድ ኣምላኽ” ክንውከልን ‘ጭንቀትና ናብኡ ኽንድርብዮን’ ትሕትና የድልየና እዩ። (1 ጴጥ. 5:6, 7) ትሕትና እንተ ኣማዕቢልካ ድማ፡ ሞገስን ደገፍን ኣምላኽ ክትረክብ ኢኻ። (ሚክ. 6:8) ብዛዕባ እቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ዓቕምኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ኣምላኽ ስለ እትውከል፡ ብጭንቀት ኣይክትወሓጥን ኢኻ።

“ኣይትጨነቑ”

13. የሱስ፡ “ኣይትጨነቑ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

13 ኣብ ማቴዎስ 6:34“ኣይትጨነቑ” ዚብል ጽቡቕ ምኽሪ የሱስ ንረክብ ኢና። (ኣንብብ) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ግና ከቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ኣይትጨነቑ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጭነቕን እዩ ማለቱ ኣይኰነን፣ ዳዊትን ጳውሎስን ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ድሮ ርኢና ኢና። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዘይግቡእ ወይ ክቱር ጭንቀት፡ ጸገም ከም ዘይፈትሕ እዩ ዚነግሮም ነይሩ። ዝዀነት መዓልቲ ናይ ርእሳ ጭንቀት ስለ ዘለዋ፡ ክርስትያናት ንዝሓለፈ ጭንቀት ወይ ንጭንቀት መጻኢ ናብ ናይ ሎሚ ጭንቀት ኪውስኽዎ የብሎምን። ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ ከቢድ ጭንቀት ክንገላገል እንኽእል ብኸመይ እዩ፧

14. ብዛዕባ ሕሉፍ ንዚስምዓካ ጭንቀት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

14 ገሊኡ ጭንቀት፡ ሓደ ሰብ ቀደም ብዝገበሮ ጌጋ ወይ ብዘርኣዮ ድኽመት እዩ ዚልዓል። እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ፡ ወይ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር በደለኛነት ኪስምዖ ይኽእል እዩ። ንጉስ ዳዊት፡ ‘ስሕተቱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንጸላልዩ’ ኸም ዘሎ ዀይኑ ዚስምዖ ግዜያት ነይሩ እዩ። “ካብ ጓሂ ልበይ እተላዕለ ዓው ኢለ እግዕር ኣለኹ” እውን በለ። (መዝ. 38:3, 4, 8, 18) ኣብቲ ዅነታት እቲ፡ ዳዊት እንታይ ጥበባዊ ነገር እዩ ኺገብር ነይርዎ፧ እንታይከ ገይሩ፧ ኣብ ምሕረትን ይቕረታን የሆዋ ተወከለ። ብምትእምማን ከኣ፡ “ኣበሳኡ እተሓድገሉ . . . ሕጉስ እዩ” በለ።መዝሙር 32:1-3, 5 ኣንብብ።

15. (ሀ) ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ክትጭነቕ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ጭንቀት ንምንካይ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ (“ ጭንቀት ንምንካይ ዚሕግዝ ግብራዊ ስጕምትታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ትጭነቕ ትኸውን። ንኣብነት፡ ዳዊት መዝሙር 55 ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ፈሪሁ ነበረ። (መዝ. 55:2-5) ይኹን እምበር፡ ጭንቀት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ምትእምማን ኬጥፍኣሉ ኣይፈቐደን። ብዛዕባ ጸገማቱ ብትግሃት እኳ እንተ ጸለየ፡ ምንጪ እቲ ጸገም ምእንቲ ኼወግድ ግብራዊ ስጕምትታት ኪወስድ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ግና ተረዲኡ ነበረ። (2 ሳሙ. 15:30-34) ካብ ዳዊት ክትምሃር ኣሎካ። ጭንቀት ኪዕብልለካ ኣብ ክንዲ እትፈቅድ፡ ንዅነታትካ ኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ግብራዊ ስጕምቲ ውሰድ እሞ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ ምሉእ ብምሉእ ተኣማመን።

16. ትርጉም ስም ኣምላኽ ንእምነትካ ዜደልድላ ብኸመይ እዩ፧

16 ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት ኣዝዩ ይጭነቕ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገና ዘየጋጠመ ነገራት ክትጭነቕ የብልካን። ስለምንታይ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምቲ ዝፈራህናዮ ኸየጋጥም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ኪቈጻጸሮ ዘይክእል ኵነታት ስለ ዘየሎ፡ ንጭንቀትካ ናብኡ ኽትድርብዮ ትኽእል ኢኻ። ስሙ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ኣለዎ። (ዘጸ. 3:14) እዚ ዜደንቕ ትርጉም መለኮታዊ ስም ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ንኣገልገልቱ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ኪገብሮ ኸም ዚኽእል የረጋግጸልና። ኣምላኽ ንእሙናቱ ዓስቢ ኸም ዚህቦም፡ ንዝሓለፈን ንናይ ሎምን ንናይ መጻእን ጭንቀት ኪዋጽእሉ ድማ ከም ዚሕግዞም ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ካብ ልቢ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ

17, 18. ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

17 ጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ራብዓይ መገዲ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ ማለት ስምዒትካ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ምክፋል እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐካ ነገራት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ ኻብ መጻምድትኻ፡ ካብ ናይ ቀረባ ዓርክኻ፡ ወይ ካብ ሓደ ሽማግለ ጉባኤ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።” (ምሳ. 12:25) ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበካ ነገራት ብግልጽን ብቕንዕናን ምምይያጥ ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣ ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም” ይብለና።—ምሳ. 15:22

18 የሆዋ ብሰሙናዊ ኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ እውን ክርስትያናት ንጭንቀቶም ኪዋጽእሉ ይሕግዞም እዩ። ኣብኡ ምስቶም ብዛዕባኻ ዚግደሱን ኬተባብዑኻ ዚደልዩን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኽትሓብር ትኽእል ኢኻ። (እብ. 10:24, 25) እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ‘ምትብባዕ፡’ መንፈሳዊ ስንቅኻ ኽትመልእን ንጭንቀትካ ኽትዋጽኣሉን ይሕግዘካ እዩ።—ሮሜ 1:12

ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ —ብርታዐ እትረኽበሉ ብሉጽ መገዲ

19. ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከም ዜበርትዓካ ኽትተኣማመን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ሓደ ኣብ ካናዳ ዚነብር ሽማግለ ጉባኤ፡ ጭንቀቱ ናብ ኣምላኽ ምድርባዩ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብኸመይ ከም ዝፈለጠ እሞ ንርአ። እቲ ሓው መምህርን ኣማኻርን ኰይኑ ሓያል ውጥረት ዚፈጥር ስራሕ ይሰርሕ ነበረ፣ ብሕማም ጭንቀት እውን ይሳቐ ነበረ። እሞኸ ንጭንቀቱ እተዋጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ምድልዳል፡ ንስምዒታዊ ብድሆታት ክዋጽኣሉ ዚሕግዝ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ብርታዐ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። ክትጭነቕ ከለኻ፡ ደገፍ ናይ ሓቂ ፈተውትኻን መንፈሳውያን ኣሕዋትካን እውን ሓጋዚ እዩ። ንሰበይተይ ከኣ ብዛዕባ ስምዒታተይ ብግልጽን ብቕንዕናን እነግራ እየ። ካልኦት ሽማግለታትን ሓላው ወረዳን ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐኒ ነገራት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ኺህልወኒ ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ረኺበ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜይ ምትዕርራይ ገይረ፡ ንምዝንጋዕን ንምውስዋስ ኣካላትን ዚኸውን ግዜ ድማ መዲበ እየ። በብቝሩብ ከኣ፡ ጭንቀተይ ክቈጻጸር ጀሚረ። ክቈጻጸሮ ዘይክእል ነገራት ኬጋጥመኒ ኸሎ ድማ፡ ኣብ የሆዋ እየ ዝውከል።”

20. (ሀ) ንጭንቀትና ናብ ኣምላኽ ክንድርብዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 ብሓፈሻ፡ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብን ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ጾርና ናብ ኣምላኽ ምድርባይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ርኢና ኢና። ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምፍራይ፡ ንእንኣምኖ ፈታዊና ስምዒትና ምክፋል፡ በቲ ዚሃንጽ ክርስትያናዊ ሕውነት ምብርታዕ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ርኢና ኢና። ኣብ ዚቕጽል ዓንቀጽ፡ የሆዋ ኸም ዚኽሕሰና ተስፋ ብምሃብ ብኸመይ ብዝያዳ ኸም ዚሕብሕበና ኽንርኢ ኢና።—እብ. 11:6