እብራውያን 4:1-16

  • ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዘይምእታው ዘለዎ ሓደጋ (1-10)

  • ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ እተዋህበ ምዕዶ (11-13)

    • ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ (12)

  • የሱስ፡ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት (14-16)

4  እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ሓደ ኻባኻትኩም ዘይበቅዕ መሲሉ ኸይህሉ ንፍራህ።+  ንዓና እውን፡ ከምቲ ንዓታቶም፡ ብስራት ተሰቢኹልና እዩ፣+ ንሳቶም ከምቲ ናይቶም ዝሰምዑ ዓይነት እምነት ስለ ዘይነበሮም ግና፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣይጠቐሞምን።  ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡+ ከምቲ፡ “ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ” ዝበለ፡+ ንሕና እንኣምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና።  ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ፡ “ኣምላኽ ድማ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ እቲ ግብሩ ዓረፈ” ይብል፣+  ኣብዚ ኸኣ መሊሱ፡ “ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም” ይብል።+  እምበኣር፡ ገሊኦም ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም እተበሰሩ ድማ ብሰሪ ዘይተኣዛዝነት ካብ ዘይኣትውዋ፡+  ድሕሪ ነዊሕ ግዜ፡ ኣብ መዝሙር ዳዊት፡ “ሎሚ” ብምባሉ፡ ከም ብሓድሽ ሓንቲ መዓልቲ መዲቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲምካ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ” እተባህለ እዩ።+  እያሱ+ ናብ መዕረፊ መሪሕዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣምላኽ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።  እምበኣር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ።+ 10  እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ እውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ።+ 11  እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣርኣያ እቲ ዘይተኣዛዝነት ስዒቡ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጽዓር።+ 12  ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን* እዩ፡+ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣+ ነፍስን* መንፈስን፡* መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ። 13  ኵሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ጸብጻብ እንህቦ ቕሉዕን ግሁድን እዩ እምበር፡+ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን።+ 14  እምበኣር፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ ንሱ ድማ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡+ ካብ ዚህልወና፡ ነቲ ብዛዕባኡ እንእመኖ ኣጽኒዕና ንሓዞ።+ 15  ከመይሲ፡ ብዘይ ሓጢኣት፡+ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን።+ 16  እምበኣር፡ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን፡ በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓያልን።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።