ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሞሳ ተቐበል ብምሉእ ልቢ ሃብ

ብሞሳ ተቐበል ብምሉእ ልቢ ሃብ

ብሞሳ ተቐበል ብምሉእ ልቢ ሃብ

እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ፡ ኣባና ብሕታዊ ተገዳስነት ኣለዎ። ንዅሎም ኣገልገልቱ ብዙሕ ከም ዚሓልየሎም ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና። (1 ጴጥ. 5:7) የሆዋ ሓልዮቱ ዜርእየሉ ሓደ መገዲ፡ ብተኣማንነት ንኸነገልግሎ ዚሕግዝ እተፈላለየ መሰናድዎታት ምግባሩ እዩ። (ኢሳ. 48:17) ብፍላይ ዜጨንቕ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ኺሕግዘና ኢሉ ዘዳለዎ መሰናድዎታት ክንጥቀመሉ ይደሊ እዩ። ሕጊ ሙሴ ነዚ ሓቂ እዚ የብርሆ እዩ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ፡ የሆዋ ‘ንድኻታት፡’ ማለት ንዘኽታማትን ንመበለታትን ንስደተኛታትን ፍቕራዊ ሓገዝ ኣዳልዩሎም ነበረ። (ዘሌ. 19:9, 10፣ ዘዳ. 14:29) ገሊኦም ኣገልገልቱ ኻብ ኣመንቲ ብጾቶም ሓገዝ ኬድልዮም ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ያእ. 1:27) ስለዚ፡ ኵሎም ኣገልገልቱ ኻብቶም የሆዋ ንኺሕግዝዎም ዜለዓዓሎም ብጾቶም ዚረኽብዎ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ካብ ምቕባል ድሕር ኪብሉ የብሎምን። ኰይኑ ግን፡ ብቕኑዕ መንፈስ ኪቕበሉ ኣለዎም።

ህዝቢ ኣምላኽ ንኻልኦት ናይ ምሃብ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም እውን ቃል ኣምላኽ የጕልሕ እዩ። ብዛዕባ እታ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዝረኸባ “ድኻ መበለት” ዚገልጽ ጸብጻብ ዘክር። (ሉቃ. 21:1-4) ካብቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ የሆዋ ንመበለታት ዝገበሮ ፍቕራዊ መሰናድዎ ተጠቃሚት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኰይኑ ግን፡ እታ መበለት ድኻ እኳ እንተ ነበረት፡ ከም ወሃቢት እምበር ከም ተቐባሊት ኣይኰነትን እትዝከር። የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ስለ ዝበለ፡ እቲ ዝነበራ ናይ ምሃብ መንፈስ ሓጐስ ኣምጺኡላ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 20:35) ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ‘ክትህብን’ ነቲ ኻብኡ ዚርከብ ሓጐስ ክትረክብን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧—ሉቃ. 6:38

“ንየሆዋ እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”

እቲ ጸሓፊ መዝሙር፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡ [“ንየሆዋ፡” NW] እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝ. 116:12) እንታይ ሰናይ ነገራት እዩ ረኺቡ፧ የሆዋ ኣብ ግዜ “ጭንቀትን መከራን” ኣናቢርዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ንነፍሱ ኻብ ሞት ኣድሓና።’ ስለዚ ኸኣ ብገለ መገዲ ንየሆዋ “ውሬታ” ኺመልሰሉ ደለየ። እቲ ጸሓፊ መዝሙር እንታይ ኪገብር ይኽእል ነበረ፧ “[ንየሆዋ] መብጽዓይ ክፍጽም እየ” በለ። (መዝ. 116:3, 4, 8, 10-14) ንዅሉ እቲ ንየሆዋ ዝኣተዎ ልባዊ መብጽዓታቱን ግዴታታቱን ኪፍጽም ወሰነ።

ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ወትሩ ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዜኽብር ናብራ ህይወት ብምንባር ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል። ስለዚ፡ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎን ኣብ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር መንፈስ ኣምላኽ ከም ዚመርሓካን ኣረጋግጽ። (መክ. 12:13፣ ገላ. 5:16-18) ከም ሓቂ ግን፡ ንየሆዋ ስለቲ ዝገበረልካ ዅሉ ነገራት ውሬታ ኽትመልሰሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ብምሉእ ልብኻ ንዕኡ ኸተገልግሎ ኸለኻ፡ ‘ልቢ የሆዋ ይሕጐስ እዩ።’ (ምሳ. 27:11) በዚ መገዲ እዚ ንየሆዋ ምሕጓስሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ!

ንድሕንነት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ግበር

ብእተፈላለየ መገዲ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥቕሚ ኸም ዝረኸብካ ዜተሓታትት ኣይኰነን። የሆዋ በታ ጉባኤ ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርበልና እዩ። ካብ ሃይማኖታዊ ጌጋታትን መንፈሳዊ ጸልማትን ሓራ ዜውጽእ ሓቂ ተቐቢልካ ኢኻ። (ዮሃ. 8:32) በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እተዳለወ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣቢልካ፡ ነቲ ስቓይን መከራን ኣብ ዘይብሉ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ክትረክብ ዜኽእለካ ፍልጠት ረኺብካ ኢኻ። (ማቴ. 24:45-47) ነቲ ኻብ ጉባኤ ኣምላኽ ዝረኸብካዮን ገና ብሕጂ እውን እትረኽቦን ጥቕምታት ክትጽብጽቦ ትኽእልዶ፧ እታ ጉባኤ ንዝገበረትልካ እንታይ ክትህባ ወይ ከኣ እንታይ ውሬታ ኽትመልሰላ ትኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባዩ ዚረክብ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:15, 16) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐዳምነት ኣብቶም ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት እትውዕል እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣብቶም ሎሚ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። እወ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ንድሕንነትን ዕቤትን እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ወትሩ ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕን መንፈሳዊ ዕረፍትን ክንከውን ብምጽዓር ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 14:19) ምስ ኣመንቲ ብጾትና ኣብ ዘለና ርክብ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ብምዅስኳስ ‘ንዕቤት እቲ ስጋ’ ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (ገላ. 5:22, 23) ብተወሳኺ፡ ነቲ “ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል እንኽእለሉ ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና። (ገላ. 6:10፣ እብ. 13:16) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም፡ ማለት ኣሕዋትን ኣሓትን ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ‘ነቲ ስጋ ብፍቕሪ ኣብ ምህናጽ’ ኣበርክቶ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እታ ጉባኤ እትዓዮ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ፡ ተውህቦናን ጕልበትናን ጥሪትናን ክንውፊ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ” በለ። (ማቴ. 10:8) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣገዳሲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ነዚ ንምግባር ዓቕምኻ ድሩት ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነታ የሱስ ዝጠቐሳ ድኻ መበለት ዘክራ። እቲ ዝሃበቶ ኣዝዩ ሒደት ነበረ። የሱስ ግን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኸም ዝሃበት ሓበረ። ከመይሲ፡ ኵነታታ ዚፈቕደላ ዅሉ እያ ገይራ።—2 ቈረ. 8:1-5, 12

ብቕኑዕ መንፈስ ተቐበል

ካብታ ጉባኤ ሓገዝ ክትቅበል ዜድልየካ እዋን ኪህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ዜምጽኦ ጸቕጢ ንምጽዋር ኣብ እትቃለሰሉ እዋን፡ እታ ጉባኤ እትህበካ ሓገዝ ካብ ምቕባል ፈጺምካ ድሕር ምሕር ኣይትበል። የሆዋ ‘ነታ ጉባኤ ዚሕልዉ፡’ ማለት ፈተናታትን ጸገማትን ኬጋጥመካ ኸሎ ዚሕግዙኻ ብቑዓትን ሓለይትን ሰብኡት ሂቡ ኣሎ። (ግብ. 20:28) ሽማግለታትን ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤን ኣብ ጽንኩር እዋናት ኬጸናንዑኻን ኪሕግዙኻን ኬዕቍቡኻን ይደልዩ እዮም።—ገላ. 6:2፣ 1 ተሰ. 5:14

ይኹን እምበር፡ ነቲ ዚወሃበካ ኣድላዪ ሓገዝ ብቕኑዕ መንፈስ ክትቕበል ኣሎካ። ንዚወሃበካ ደገፍ ኵሉ ግዜ ብሞሳ ተቐበል። ነቲ ኣመንቲ ብጾትካ ዚህቡኻ ሓገዝ ከም መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ ጌርካ ርኣዮ። (1 ጴጥ. 4:10) እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ ብዘይ ሞሳ ኽንቅበል ስለ ዘይንደሊ እዩ።

ሚዛናውን ርትዓውን ኩን

ጳውሎስ ኣብታ ንጉባኤ ፊልጲ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ኪዛረብ ከሎ፡ “ንጽቡቕኩም ዚሓልን ዚግደስን ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይን” በለ። ወሲኹ ግን፡ “ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም” በለ። (ፊል. 2:20, 21 ትርጕም 1990) ነዚ ጳውሎስ ዘስተውዓሎ ነገር ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ፡ ‘ጥቕሚ ርእስና’ ጥራይ ካብ ምሕሳብ ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትና ግዜኦምን ኣቓልቦኦምን ብምሃብ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ኪሕግዙና ኽንሓቶም ከለና፡ ይግብኣኒ እዩ ብዚብል መንፈስ ኪኸውን የብሉን። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰብ፦ ሓደ ሓው ነቲ ዘጋጠመና ሃንደበታዊ ዅነታት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ስጋዊ ሓገዝ ምስ ዚገብረልና፡ ብሞሳ ኸም እንቕበሎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ይግብኣኒ እዩ ብዚብል ኣረኣእያ ተለዓዒልና ዲና እንሓትት፧ ኣይፋልናን። ብተመሳሳሊ፡ ፈቃራት ኣሕዋትና ወትሩ ተሓጕሶም ይሕግዙና እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ግዜኦም ኪህቡና እንገብሮ ትጽቢት ግን ሚዛናውን ርትዓውን ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ኣመንቲ ብጾትና ኣብ ግዜ ጸገም ብፍታዎም ኪሕግዙና ኢና እንደሊ።

ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ብፍታዎም ኪሕግዙኻ ቕሩባት ከም ዝዀኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ሓድሓደ ግዜ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ኼማልኡልካ ኣይክእሉን ይዀኑ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ኸምቲ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበረሉ፡ ዝዀነ ይኹን ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኸም ዚድግፈካ ርግጸኛ ኹን።—መዝ. 116:1, 2፣ ፊል. 4:10-13

ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ብፍላይ ኣብ ግዜ ጭንቀትካን መከራኻን ዜዳልወልካ መሰናድዎታት ብሞሳ ኻብ ምቕባል ሰጋእ መጋእ ኣይትበል። (መዝ. 55:22) የሆዋ እውን ብሞሳ ኽትቅበል እዩ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ “ሕጉስ ወሃቢ” ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ስለዚ፡ ኵነታትካ ኽሳዕ ዝፈቐደልካ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ‘ብልብኻ ዝሓለንካዮ’ ዅሉ ግበር። (2 ቈረ. 9:6, 7) በዚ ኸምዚ ኸኣ ብሞሳ ኽትቅበልን ብምሉእ ልቢ ኽትህብን ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

“ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡ [“ንየሆዋ፡” NW] እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧”—መዝ. 116:12

‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ንምግባር’ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ኣናዲ

ንኻልኦት ምንጪ ምትብባዕን መንፈሳዊ ዕረፍትን ኩን

ኵነታትካ ኽሳዕ ዚፈቕደልካ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል