መክብብ 12:1-14

  • እርጋን ከይመጸ ንፈጣሪኻ ዘክሮ (1-8)

  • እቲ ኣካቢ ዝበጽሖ መደምደምታ (9-14)

    • ቃላት ጥበበኛታት ከም በሊሕ በትሪ (11)

    • ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ (13)

12  እምበኣር፡ መዓልትታት ጭንቂ ኸይመጻ፡+ “ባህ ኣይበላንን” እትብለለን ዓመታት ከኣ ከየርከባ፡ ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ፣+  ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ፡+ ደበናታት ድማ ድሕሪ* ዝናም ከይተመልሰ፡ ከምኡ ግበር።  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓለውቲ ቤት ራዕራዕ ይብላ፣ ብርቱዓት ሰብኡት ይጕብጡ፣ ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ምጥሓን የቋርጻ፣ ብመሳዅቲ ዚጥምታ ጠመትቲ እውን ይጽልምተን።+  ሽዑ፡ ናብ ጐደና ዚመርሓ ኣፍ ደገታት ይዕጸዋ፣ ደሃይ መጥሓን ትሑት ይኸውን፣ ድምጺ ዑፍ የተንስኣካ፣ ኵለን ደረፍቲ ኣዋልድ እውን ይልሕትታ።+  ሽዑ ኸኣ፡ ንበረኽቲ ትፈርህ፣ ኣብ መገዲ ድማ ሽበራ ይኸውን። ኦም ለውዚ ኸኣ ትዕምብብ፣+ ጐደበ ድማ ጐተት ይብል፣ ሸውሃት ዚኸፍት ፍረ ኸኣ ይነቅዕ።* ከመይሲ፡ ሰብ ናብ ነባሪ ቤቱ ይኸይድ፣+ መልቀስቲ ኸኣ ኣብ ጐደና ይዞሩ።+  እወ፡ ገመድ ብሩር ከይተበትከ፡ ጭሔሎ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ዘሎ ዕትሮ ኸይተሰብረ፡ ካብ መዕቘር ማይ ንምግላል ዚኸውን መዘወር እውን ከይተጨፍለቐ፡ ንዕኡ ዘክሮ።  ሽዑ፡ ሓመድ ከምቲ ዝነበሮ ናብ መሬት ይምለስ፣+ መንፈስ* ድማ ናብቲ ወሃቢኡ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይምለስ።+  “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት!” ይብል እቲ ኣካቢ።+ “ኵሉ ኸንቱ እዩ!”+  እቲ ኣካቢ ኸኣ ጥበበኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዚፈልጦ እውን ብቐጻሊ ንሰባት ይምህር ነበረ፣+ ብዙሕ ምስላታት ምእንቲ ኺእክብ* ድማ፡ ኣጸቢቑ ሓሰበን መርመረን።+ 10  እቲ ኣካቢ ኸኣ ደስ ዜብል ቃላት+ ኪረክብን ልክዕ ቃላት ሓቂ ኺምዝግብን ደለየ። 11  ቃላት ጥበበኛታት ከም መጕጠዪ ብዕራይ* እዩ፣+ እቲ እኩብ ብሂላቶም ድማ ብጽኑዕ ከም እተሰመረ መሳምር እዩ፣ ካብ ሓደ ጓሳ ኸኣ እተዋህበ እዩ። 12  ብዝተረፈስ፡ ወደየ፡ ተጠንቀቕ፦ ምጽሓፍ ብዙሕ መጻሕፍትስ መወዳእታ የብሉን፣ ነዚ ብዙሕ ውፉይ ምዃን ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ።+ 13  እዚ ዅሉ ምስ ተሰምዐ፡ መደምደምታ ነገር እዚ እዩ፦ ብዘሎ ግዴታ ሰብ እዚ እዩ እሞ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡+ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ።+ 14  ናይ ሓቂ ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብሪ፡ እንተላይ ንዅሉ ሕቡእ ነገር፡ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ፡ ኪፈርዶ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምስ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዘይረብሕ ይኸውን።”
ወይ፡ “ሓይሊ ህይወት።”
ወይ፡ “ኺሰርዕ።”
ብዕራይ ንምዅብካብ ዜገልግል በሊሕ ዝኣንፉ በትሪ።