ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ” ከም ዘለዉ ስለ ዚገልጽ፡ ጸረ ክርስቶስ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ውድብ ጥራይ ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 2:18) እታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ስያመ፡ ካብታ “ኣንጻር ክርስቶስ” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት ኰይና ነዚ ዚስዕብ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ተመልክት፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ኣጽራረ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጕጅለ “ጸረ ክርስቶስ” ኢሉ እውን ይጽውዖም እዩ። (2 ዮሃንስ 7) እቲ ጸረ ክርስቶስ ካብቲ መጀመርታ ብግዜ ሃዋርያት እተቐልቀለሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ንጡፍ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ልክዕ ከምኡ ኸም ዚኸውን እዩ ተነብዩ።— 1 ዮሃንስ 4:3

ኣጽራረ ክርስቶስ ብኸመይ ከም ዚልለዩ

  •   ብዛዕባ የሱስ ናይ ሓሶት ትምህርቲ የስፋሕፍሑ። (ማቴዎስ 24:9, 11) ንኣብነት፡ እቶም ትምህርቲ ስላሴ ወይ የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ዚምህሩ፡ ነቲ፡ “ካባይ ኣቦ ይዓቢ” ዚብል ትምህርቲ የሱስ ይጻረርዎ እዮም።—ዮሃንስ 14:28

  •   ኣጽራረ ክርስቶስ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣካይዳ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትምህርቲ ኣይቅበልዎን እዮም። ንኣብነት፡ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት፡ የሱስ ብምድራውያን መንግስትታት ኣቢሉ ኸም ዚሰርሕ ይምህሩ። እዚ ግና ምስቲ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዚብል ትምህርቲ የሱስ ዚጋጮ እዩ።—ዮሃንስ 18:36

  •   የሱስ ጐይታ ምዃኑ እናተዛረቡ፡ ንትእዛዛቱ ግና ኣይሕልውዎን እዮም፣ ንኣብነት፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይሰብኩን እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ሉቃስ 6:46፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:42