ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧

ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧

 ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ሓቦኛ፧ በዚ ዚስዕብ ነገራት ተጸሊኻ ዲኻ፧

  •   ሞት እተፍቅሮ ሰብ

  •   ሕዱር ሕማም

  •   ባህርያዊ ሓደጋ

 ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ዓበይቲ ጸገማት ጥራይ ኣይኰኑን ሓቦ ኸነርኢ ዚሓትቱና። ብሰንኪ እቲ መዓልታዊ ዜጋጥመና ንኣሽቱ ጸገማት ዜስዕበልና ውጥረት እውን፡ ጥዕናና ብኣሉታ ኺጽሎ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ጸገማትካ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ሓቦ ኸተማዕብል ኣገዳሲ እዩ።

 ሓቦ እንታይ እዩ፧

 ሓቦ፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ለውጥታትን ጸገማትን ብዓወት ክትዋጽኣሉ የኽእለካ። ሓቦኛታት ሰባት ከም ማንም ካልእ ሰብ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ይኹን እምበር፡ ንጸገማቶም ይዋጽኡሉ እዮም። ምናልባት በሰላ ይገድፈሎም ይኸውን፣ ግናኸ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ በርቲዖም እዮም ዚወጹ።

ከምቲ ገሊኡ ኣእዋም ኣብ እዋን ህቦብላ ቕንን ዚብል፡ ንፋስ ዝግ ምስ በለ ግና ቅንዕ ዚብል፡ ንተጻብኦ ብዓወት ክትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ

 ሓቦ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧

  •   ካብ ጸገማት ከተምልጥ ስለ ዘይከኣል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ . . . ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ይብል። (መክብብ 9:11) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሕያዎት ሰባት እውን ምንም ጌጋ ዘይገበሩ ኽነሶም፡ መከራ የጋጥሞም እዩ።

  •   ሓቦ፡ ዕቝባ ስለ ዚዀነካ። ሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ፈተና ሕማቕ ነጥቢ ብምርካቦም፡ ወይ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዛዕባኦም ሕማቕ ብምዝራቡ ጥራይ ኣመና ጕህዮምን ተጨኒቖምን ናብ ቤት ጽሕፈተይ ዚመጹ ተምሃሮ ቝጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።” ወሲኹ ኸኣ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ዚመስል ጕዳያት ክትዋጽኣሉ ዘይምኽኣል፡ “ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት ኬስዕብ ይኽእል እዩ” ይብል። a

  •   ሓቦ፡ ሕጂ ይኹን እኹል ሰብ ምስ ኰንካ ስለ ዚጠቕመካ። ዶክተር ሪቻርድ ለርነር ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ዜጕሂ ፍጻመታት ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ካብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ብዓወት ምስጋር፡ ሓደስቲ ሸቶታት ምውጻእ፡ ወይ እውን ናብቲ ዝደለናዮ ቦታ ንምብጻሕ ዜኽእለና ኻልእ መገድታት ምንዳይ፡ ገለ መዳያት እቲ ዕዉትን ኣፍራይን ሰብ ንምዃን ዜድሊ ነገራት እዩ።” b

 ሓቦ ኸተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  •   ብዛዕባ ጸገማትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ኣብ መንጎ ዓበይቲ ጸገማትን ንኣሽቱ ጸገማትን ዘሎ ፍልልይ ኣለሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓሻ ብኡብኡ ሕርቃኑ የርኢ፣ ጐራሕ ግና ንጸርፊ ዕሽሽ ይብሎ” ይብል። (ምሳሌ 12:16) ብዅሉ ጸገማት ክትዕብለል ኣየድልየካን እዩ።

     “ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ገለ ተምሃሮ ብቐንጠ መንጢ ነገራት ብዙሕ ኣጕረምሪሞም። ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዕሩኾም ድማ ደገፎም ገሊጾምሎም። እዚ ኸኣ ነቲ ሓዊ ነዳዲ ወሲኹሉ። ንጸገማቶም ብሚዛናዊ መገዲ ኸይርእይዎ ደሪትዎም።”—ጆኣን።

  •   ካብ ካልኦት ተምሃር። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌ፡ “ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ ይስሕሎ” ይብል። (ምሳሌ 27:17) ንኸበድቲ ጸገማት ብዓወት ካብ እተዋጽኡሉ ሰባት ጠቓሚ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

     “ንኻልኦት ምስ እተዕልሎም፡ ብዙሕ ከቢድ ፈተናታት ከም ዘሕለፉን ብዓወት ከም እተዋጽኡሉን ክትፈልጥ ኢኻ። ነቲ ዅነታቶም ንኺዋጽኡሉ እንታይ ከም ዝገበሩን እንታይ ከም ዘይገበሩን ሕተቶም።”—ጁልያ።

  •   ዕጉስ ኩን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ” ይብል። (ምሳሌ 24:16) ንተጻብኦ ኽትቅበሎ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ጓሂ እንተ ተሰምዓካ ኣይትገረም። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ‘መሊስካ ምትንሳእ’ እዩ።

     “ካብቲ ዜውድቐካ ተጻብኦታት ንምትንሳእ ክትጽዕር ከለኻ፡ ልብኻን ስምዒታትካን ኪሓዊ የድልዮ እዩ። እዚ፡ ግዜ ዚወስድ መስርሕ እዩ። ግዜ ብዝሓለፈ መጠን ጽቡቕ እናተሰምዓካ ኸም ዚኸይድ ተማሂረ እየ።”—ኣንድርያ።

  •   ኣመስጋኒ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣመስገንቲ . . . ኩኑ” ይብል። (ቈሎሴ 3:15) ዕቤት እቲ እተሕልፎ ዘለኻ ጸገም ብዘየገድስ፡ ከተመስግነሉ እትኽእል ነገራት ወትሩ ኣይሰኣንን እዮም። ንህይወትካ ትርጉም ከም ዚህልዋ ዚገብር ሰለስተ ነገራት እስከ ሕሰብ።

     “ተጻብኦ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ስለምንታይ ንዓይ ከምዚ የጋጥመኒ፧’ ኽትብል ቀሊል እዩ። ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ሓቦ ግና፡ ኣብ ጸገማትካ ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ኣወንታዊ ኽትከውን፡ በቲ ዘሎካ ወይ በቲ ኽትገብሮ እትኽእል ድማ ምምስጋን እዩ።”—ሰማንታ።

  •   ዕጉብ ኩን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ዕጉብ ምዃን ተማሂረ እየ” ኢሉ እዩ። (ፊልጲ 4:11፡ እግረ ጽሑፍ) እቲ ንጳውሎስ ዜጋጥሞ ዝነበረ ተጻብኦታት ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ንመልሰ ግብሩ ግና ኪቈጻጸሮ ይኽእል ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ዕጉብ ኪኸውን ቈሪጹ ነይሩ እዩ።

     “ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ እቲ ፈለማ ዝህቦ መልሰ ግብሪ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ኸስተውዕል ክኢለ እየ። ንዝዀነ ይኹን ኵነታት ብኣወንታዊ መገዲ ኽርእዮ ሸቶ ገይረ ኣለኹ። እዚ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዚቐርቡኒ ሰባት እውን ኪጠቅም እዩ።”—ማቲው።

  •   ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል። (መዝሙር 55:22) ጸሎት፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዓካ ኢልካ ዚግበር ነገር ኣይኰነን። ምስቲ ‘ዚሓልየልካ’ ፈጣሪ ዚግበር ናይ ሓቂ ርክብ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

     “በይነይ ክቃለስ ኣይደልን እየ። ብዛዕባ ጸገማተይ ብጋህድን ብቕንዕናን እጽሊ እየ። ንኣምላኽ ስለቲ ዝሃበኒ በረኸት ከመስግኖ ኸለኹ ድማ ኣብ በረኸተይ ስለ ዘተኵር እቲ ኣሉታዊ ስምዒታተይ ይጠፍእ እዩ። ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ!”—ካርሎስ።

a ብቶማስ ከርስቲን ካብ እተጻሕፈት ዲስኮነክትድ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

b ዘ ጉድ ቲን—ረስክዩን ኣዶለሰንስ ፍሮም ዘ ሚዝ ኦቭ ዘ ስቶርም ኤንድ ስትረስ ይርስ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።