ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ርእሰ ግትኣት

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ርእሰ ግትኣት

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።”ምሳሌ 29:11

“ካብ ሞት ዝተንሳእኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ”

ዜምጽኦ ጥቕሚ፦ ርእሰ ግትኣት ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ ክትዝርዝር እንተ ጀሚርካ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወረቐት እውን ኣይኣኽለካን እዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ንኣካላዊ ጥዕናና የዕቍቦ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ” ይብል። ብዘይካዚ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 14:30፣ 17:22) መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ብቐሊሉ ዚቝጥዑ ሰባት፡ ብፍላይ ምስ ልቢ ዚተሓሓዝ ሕማም ናይ ምሕማም ኣጋጣሚኦም ሰፊሕ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ርእሰ ግትኣት ካብ ኣካላዊ ጥዕና ንላዕሊ እዩ ዚጠቕመና።

ሕጂ ኣብ 30ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ካስዩስ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ሓራቕን ብቐሊሉ ዝቝጣዕን እየ ነይረ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ እበኣስ ነበርኩ። ንገዛእ ርእሰይ ብዙሕ ኣኽብሮት ኣይነበረንን። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ምስ ጀመርኩ ግና፡ ኵሉ ተቐየረ። ሓርቖተይ ክቈጻጸርን ትሕትና ኸማዕብልን ይቕረ በሃሊ ክኸውንን ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። ከምኡ እንተ ዘይገብር፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምኣተኹ ነይረ። ሕጂ ግና ካብ ሞት ዝተንሳእኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”

ካስዩስ፡ ቍጥዓኡ ኺቈጻጸርን ይቕረ በሃሊ ኪኸውንን ከም ዘለዎ ተማሂሩ እዩ