ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

‘ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ እዋን ተሓጐስኩ።’

ሂልተን፡ መኸተ ጕስጢ ይፈቱ ነበረ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ማለት ኣብ ውድድር መኸተ ጕስጢ ዀነ ኻብኡ ወጻኢ፡ ይብኣስ ነበረ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸሎ፡ ንሱን ኣዕሩኹን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እናዞሩ ንሰባት ይቕጥቅጡ ነበሩ። ሂልተን ከምዚ በለ፦ “እሰርቕን እጣላዕን ስእለ ጽዩፍ እርእን ንደቂ ኣንስትዮ አሸግርን ንወለደይ እጸርፎምን ነበርኩ። ጠባየይ ኣመና ስለ እተበላሸወ፡ ወለደይ ብኣይ ተስፋ ቘሪጾም እዮም ነይሮም። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ድማ፡ ጠቕሊለ ኻብ ቤት ወጻእኩ።”

ሂልተን ድሕሪ 12 ዓመት ምስ ተመልሰ፡ ወለዱ በቲ ዝረኣይዎ ኺኣምኑ ኣይከኣሉን። ህዱእን ገዛእ ርእሱ ዚገትእን ንሰባት ዜኽብርን ኰይኑ ነበረ። ከምዚ ዓይነት ዜደንቕ ለውጢ ኺገብር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ምስ ወለዱ ተፈላልዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱ ናበይ ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ኣርዚኑ ሓሰበ። መገዱ ንኪቕይር ኪሕግዞ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርምር ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቦ ዝነበርኩ ስለ ዝተግበርክዎ፡ ነቲ ኣረጊት መንነተይ ሓደግክዎ፣ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 6:2, 3 ዚርከብ ንወለደይ ክእዘዝ ከም ዘሎኒ ዚገልጽ ትእዛዝ ድማ ከኽብሮ ጀመርኩ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ እዋን፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኸብኩ፣ ንኣቦይን ንኣደይን ድማ ዝያዳ ጓሂ ዘይኰነስ፡ ሓጐስ ኣምጻእኩሎም።”

ታሪኽ ሂልተን፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚዓዪን ህይወት ሰባት ዚቕይርን ምዃኑ እውን የጕልሕ እዩ። (እብራውያን 4:12) ንገለ ኻብኡ፡ ማለት ነቲ ምስ ሓቀኛነትን ርእሰ ግትኣትን ተኣማንነትን ፍቕርን ዚተሓሓዝ ስርዓታት እስከ ንመርምር፣ እዚ ስርዓታት እዚ ብኸመይ ንህይወት ሰባት ከም ዜመሓይሾ እውን ክንርኢ ኢና።