ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተዕቍብ ጥበብ

እተዕቍብ ጥበብ

“ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዜፈራርሆ የብሉን።”—ምሳሌ 13:8

ሃብታም ምዃን ብእተወሰነ ደረጃ ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ ጽንኩር ግዜ ግና፡ ጸገማት እውን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ሃብታማትን እቶም ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎም ጌርካ ዚሕሰቡ በጻሕቲ ዓድን፡ ኣደዳ ሰረቕትን ኣደዳ እቶም ገንዘብ ኪውሃቦም ዚደልዩ ጨወይትን ኰይኖም እዮም።

ሓደ ጸብጻብ ዜና ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ዓመጽ ዝመልኦ ኽትረትን ምትላልን ጭውያን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን ዓይንን ሓመድን ገይርዎም ኣሎ። ኣብያተ ምግቢ ብእተዓጥቁ ሓለውቲ ይሕለዋ፣ ኣባይቲ ሃብታማት ድማ በሊሕ ስልኪ ብዘለዎ ሓጹርን ሰራቒ ኺመጽእ ከሎ ብዚውላዕ መብራህትን ብካሜራታትን ይሕጸር፣ ብሰራሕተኛታት ሓለዋ ኸኣ ይሕሎ” በለ። እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ተርእዮ እዩ።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ‘ንድኻ ዜፈራርሆ የብሉን።’ ካብዚ ጥበብ ዝሓዘለ ሓሳብ እዚ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገበንን ዓመጻን ኣብ ዚበዝሖ ኸባቢ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ወይ ከኣ ናብኡ ኽትጓዓዝ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ሃብታም ከም ዝዀንካ ብምምሳል ኣቓልቦ ኸይትስሕብ ተጠንቀቕ። ብዛዕባ እቲ ኽትጓዓዝ ከለኻ እትኽደኖ ኽዳንን እትሕዞ ኣቕሑን ሕሰብ፣ ብፍላይ እቲ እትሕዞ ኣቕሑ ንኣቓልቦ ሰባት ዚስሕብ እንተ ዀይኑ፡ ክትጥንቀቕ ኣሎካ። ምሳሌ 22:3፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ፡ . . . ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ይብል።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ጥበብ፡ ፈጣሪ ኸም ዚግደሰልና ዜርኢ እዩ። ሓደጋ ኼጋጥመና እውን ኣይደልን እዩ። መክብብ 7:12፡ እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ልክዕ ከም “ጽላል” ምዃና ትገልጽ እያ፣ ከመይሲ፡ ‘ንመጥረዪኣ ብህይወት ተንብሮ’ እያ።