ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ይዓዪ ድዩ፧

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ፍቕሪ

ንዅሉ ዚጠቅምን ግዜ ዘይሓልፎን ስርዓታት—ፍቕሪ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ እሞ፡ ልበስዋ።”—ቈሎሴ 3:14

ዜምጽኦ ጥቕሚ፦ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ተጠቒሳ እትርከብ ፍቕሪ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ወይ ምስ ጾታዊ ርክብ እተተሓሓዘት ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ እያ፣ መለለዪኣ ኸኣ ድንጋጽን ይቕረ ምባልን ትሕትናን ተኣማንነትን ለውሃትን ልእመትን ትዕግስትን እዩ። (ሚክያስ 6:8፣ ቈሎሴ 3:12, 13) ከምቲ ድሕሪ ግዜ ዚጠፍእ ሃነይነይ ዜብል ዓይነት ፍቕሪ ስለ ዘይኰነት፡ ወትሩ እናዓበየት እያ እትኸይድ።

ካብ እትምርዖ ኣስታት 30 ዓመት ዝገበረት ብረንዳ፡ “እታ ኣብ መንጎ ሓደስቲ ምርዑዋት ዘላ ፍቕሪ፡ ምስታ ሓዳርካ ድሕሪ ግዜ እናደልደለ ምስ ከደ እትህልወካ ፍቕሪ ኽትወዳደር ከላ፡ ኣብ ግምት እትኣቱ ኣይኰነትን” በለት።

ካብ ዚምርዖ ልዕሊ 12 ዓመት ዝገበረ ሳም ከምዚ በለ፦ “ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ውጽኢታውን ቀሊልን ምዃኑ፡ ንዓይን ንሰበይተይን ኵሉ ሳዕ እዩ ዜሐጕሰናን ዜገርመናን። ነቲ ምኽሪ እንተ ተግቢርካዮ፡ ብዙሕ ጸገም ኣየጋጥመካን እዩ። ኵሉ ሳዕ ነቲ ምኽሪ ኽዓይየሉ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣዝየ ተነቃፊ ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሰይ ጥራይ ከተኵር ከለኹ፡ ወይ ከኣ ክደክም ከለኹ፡ ነቲ ምኽሪ ኻብ ምትግባር እሰንፍ እየ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት፡ ንዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ስምዒት ንኸወግዶ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ንየሆዋ እልምኖ። ድሕሪኡ ንሰበይተይ ሕቝፍ አብላ እሞ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ጸገም ብኡብኡ ይጠፍእ።”

“ጥበብ ብግብራ ጸደቐት”

የሱስ ክርስቶስ፡ “ጥበብ ብግብራ ጸደቐት” ኢሉ ነበረ። (ማቴዎስ 11:19) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመሰረት እዚ ሓቂ እዚ እንተ መዚንናዮ፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ዝሓዘ እዩ። እቲ ዚምህሮ ትምህርትን ስርዓታትን ይዓዪ እዩ። ግዜ እውን ኣይሓልፎን እዩ። ባህልን ዜግነትን ድማ ኣይዓግቶን እዩ። እቲ ስርዓታት ብዛዕባ ባህርያት ደቂ ሰብ ዓሚቝ ሓሳብ ስለ ዚህብ፡ ካብ ዝለዓለ ምንጪ፡ ማለት ካብቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ዚሕብር እዩ። ነዚ ኽንርድኦ እንኽእል ግና፡ ነቲ ስርዓታት እንተ ተግቢርናዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን” ዚብል ዕድመ ዜቕርበልና። (መዝሙር 34:8) እሞኸ ነቲ ዕድመ ኽትቅበሎ ዲኻ