ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 5

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”

ዘፍጥረት 3:15

“ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።”

ዘፍጥረት 22:18

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”

ማቴዎስ 6:10

“እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ኪጭፍልቖ እዩ።”

ሮሜ 16:20

“ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ።”

1 ቈረንቶስ 15:28

“እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ፡ . . . ክርስቶስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንኩም፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም።”

ገላትያ 3:16, 29

“መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ።”

ራእይ 11:15

“እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።”

ራእይ 12:9

“ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡ ነቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ።”

ራእይ 20:2