ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 12

ተስፋ ምዉታት እንታይ እዩ፧

“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ እሞ፡ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ፡ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት . . . ኪወጹ እዮም።”

ዮሃንስ 5:28, 29

“ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ተስፋ ኣሎኒ።”

ግብሪ ሃዋርያት 24:15

“ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።”

ራእይ 20:12, 13