ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 7

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና እንታይ እዩ ተነብዩ፧

“ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ . . . እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።”

ማቴዎስ 24:7, 8

“ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ኪትንስኡን ንብዙሓት እውን ኬስሕቱን እዮም፣ ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።”

ማቴዎስ 24:11, 12

“ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ፣ እዚ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።”

ማርቆስ 13:7

“ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ኣብ በቦታኡ እውን ጥሜትን ለበዳን ኪኸውን እዩ፣ መፍርህታትን ካብ ሰማይ ዓበይቲ ትእምርትታትን ኪኸውን እዩ።”

ሉቃስ 21:11

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየመስግኑ፡ ዘይእሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡ ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑ፡ ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ዚፈትዉ፡ ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ዚመስሉ፡ ንሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ ኪዀኑ እዮም።”

2 ጢሞቴዎስ 3:1-5