ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 19

መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሒዙ ኣሎ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (“ብሉይ ኪዳን”)

ኦሪት ወይ ጰንጠጤቝ (5 መጽሓፍ)፦

ዘፍጥረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ዘሁልቍ፡ ዘዳግም

ካብ ፍጥረት ክሳዕ ምምስራት ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል

መጻሕፍቲ ታሪኽ (12 መጽሓፍ)፦

እያሱ፡ መሳፍንቲ፡ ሩት

እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝኣተወሉ እዋንን ድሕሪኡን እተፈጸመ ፍጻመታት

1ይን 2ይን ሳሙኤል፡ 1ይን 2ይን ነገስት፡ 1ይን 2ይን ዜና መዋእል

ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል ክሳዕ ምጥፋእ የሩሳሌም

እዝራ፡ ነህምያ፡ ኣስቴር

ታሪኽ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምምላሶም

ግጥማዊ መጻሕፍቲ (5 መጽሓፍ)፦

እዮብ፡ መዝሙር፡ ምሳሌ፡ መክብብ፡ መሃልየ መሃልይ

ብሓደ እተጠርነፈ ጥበባዊ ምስላታትን መዝሙራትን

ትንቢታዊ መጻሕፍቲ (17 መጽሓፍ)፦

ኢሳይያስ፡ ኤርምያስ፡ ድጕዓ፡ ህዝቅኤል፡ ዳንኤል፡ ሆሴእ፡ ዮኤል፡ ኣሞጽ፡ ኦብድያ፡ ዮናስ፡ ሚክያስ፡ ናሆም፡ ኣንባቆም፡ ጸፎንያስ፡ ሃጌ፡ ዘካርያስ፡ ሚልክያስ

ትንቢታት ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ

ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ (“ሓድሽ ኪዳን”)

ኣርባዕተ ወንጌላት (4 መጽሓፍ)፦

ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ፡ ዮሃንስ

ታሪኽ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ

ግብሪ ሃዋርያት (1 መጽሓፍ)፦

ታሪኽ ምጅማር ክርስትያናዊት ጉባኤን ሚስዮናዊ ንጥፈታትን

መልእኽትታት (21 መጽሓፍ)፦

ሮሜ፡ 1ይን 2ይን ቈረንቶስ፡ ገላትያ፡ ኤፌሶን፡ ፊልጲ፡ ቈሎሴ፡ 1ይን 2ይን ተሰሎንቄ

ናብ ክርስትያናውያን ጉባኤታት እተላእካ መልእኽትታት

1ይን 2ይን ጢሞቴዎስ፡ ቲቶስ፡ ፊልሞን

ናብ ክርስትያን ውልቀ ሰባት እተላእካ መልእኽትታት

እብራውያን፡ ያእቆብ፡ 1ይን 2ይን ጴጥሮስ፡ 1ይን 2ይን 3ይን ዮሃንስ፡ ይሁዳ

ናብ ክርስትያናት ብሓፈሻ እተላእካ መልእኽትታት

ራእይ (1 መጽሓፍ)፦

ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህቦ ተኸታታሊ ትንቢታዊ ራእያት