ኤርምያስ 10:1-25
10 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ የሆዋ ኣንጻርኩም እተዛረቦ ቓል ስምዑ።
2 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“መገዲ ኣህዛብ ኣይትምሃሩ፣+ኣህዛብ ብእኡ ይርዕዱ እዮም እሞ፡ብምልክታት ሰማያት እውን ኣይትርዓዱ።+
3 ልምድታት ህዝብታትሲ ናይ ሓሶት* እዩ።
ካብ ዱር እተቘርጸ እሞ፡ብኣእዳው ኢደ ጥበበኛ ብንዋቱ* እተሰርሐ ኦም ጥራይ እዩ።+
4 ብብሩርን ብወርቅን ይስልምዎ፣+ከይወድቕ ከኣ ብሞደሻን ብመሳምርን የጽንዕዎ።+
5 ኣብ ግራት ኣጕርሲ ኸም ዘሎ መሰንበድ ጭሩ፡ ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም፣+ኪኸዱ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኪጽወሩ ኣለዎም።+
ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፣ጽቡቕ ኪገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም።”+
6 ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+
ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ እውን ዓብይን ሓያልን እዩ።
7 ኦ ንጉስ ኣህዛብ፡+ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧
ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+
8 ኵላቶም ዘይሓስቡን ዓያሹን እዮም።+
ካብ ኦም ዚውሃብ ትምህርትስ ፍጹም ናይ ሓሶት* እዩ።+
9 ስራሕ ኢደ ጥበበኛ ዝዀነን ብኣእዳው ኣንጠረኛ እተገብረንተቐጥቂጡ ዝረቐቐ ብሩር ካብ ተርሲስ፡+ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፋዝ የምጽኡ።
ክዳውንቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ።
ኵላቶም ብኽኢላታት ሰራሕተኛታት እተገብሩ እዮም።
10 ግናኸ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ።
ንሱ ህያው ኣምላኽን+ ናይ ዘለኣለም ንጉስን+ እዩ።
ብቝጥዓኡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ፣+ካብ ኣህዛብ እውን ንዅነኔኡ ኺጻወር ዚኽእል የልቦን።
11 * ከምዚ ድማ በልዎም፦
“እዞም ሰማያትን ምድርን ዘይገበሩ ኣማልኽቲካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማያትን ኪጠፍኡ እዮም።”+
12 ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+
13 ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣+ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ።+
ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+
14 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን።
ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+
15 ናይ ሓሶት* እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።+
መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም።
16 ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣እስራኤል ከኣ በትሪ ርስቱ እዩ።+
ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+
17 ኣቲ ኣብ ትሕቲ ኸበባ እትቕመጢ፡ኣቕሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ።
18 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ በዚ ግዜ እዚ ነዞም ነበርቲ ኻብዛ ምድሪ እድርብዮም* ኣለኹ፣+ከጨንቖም እውን እየ።”
19 ብሰሪ መስበርተይሲ ወይለይ!+
ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ።
ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እዝስ ብርግጽ ሕማመይ እዩ፡ ክጾሮ ድማ እየ።
20 ድንኳነይ ዓንያ፡ ኣግማድ ድንኳነይ ከኣ ተበቲኹ።+
ደቀይ ሓዲጎምኒ፡ የለዉን እውን።+
ድንኳነይ ዚግትር ወይ ዓለባታት ድንኳነይ ዜልዕል ሓደ እኳ የልቦን።
21 ጓሶትሲ ዓሽዮም፣+ንየሆዋ ድማ ኣይሓተትዎን።+
ስለዚ፡ ብልቦና ኣይተመላለሱን፣ኵለን መጓሰታቶም ከኣ ፋሕ ኢለን ኣለዋ።”+
22 ስማዕ! ወረ ይመጽእ ኣሎ!
ንኸተማታት ይሁዳ ኼባድመንን ሰፈር ወኻሩ* ኺገብረንን+ካብ ምድሪ ሰሜን ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ይመጽእ ኣሎ።+
23 ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።
ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።+
24 ኦ የሆዋ፡ ብፍርዲ ኣርመኒ፣ከይተጥፍኣኒ ግና ብቝጥዓኻ ኣይኹን።+
25 ነድርኻ ኣብቶም ዕሽሽ ዚብሉኻ ኣህዛብ፡+ኣብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌታት ክዖ።
ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፡+እወ፡ ክሳዕ ዚጸንት ውሒጦምዎ፣+ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኸንቱነት።”
^ ወይ፡ “ብምሳሩ።”
^ ወይ፡ “ከንቱነት።”
^ ፍ. 11 ኣብ መጀመርታ ብኣራማይስጢ ተጻሒፋ ነይራ።
^ ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ግመ።”
^ ወይ፡ “ትንፋስ።”
^ ወይ፡ “ከንቱነት።”
^ ወይ፡ “እውንጭፎም።”
^ ወይ፡ “ጋውሕታታት።”