ኤርምያስ 10:1-25

  • ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምስቲ ህያው ኣምላኽ ኪነጻጸሩ ኸለዉ (1-16)

  • ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥፍኣትን ምርኮን (17, 18)

  • ኤርምያስ ጐሃየ (19-22)

  • ጸሎት ነብያት (23-25)

    • ሰብ ስጕምቱ ኬቕንዕ ኣይክእልን (23)

10  ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ የሆዋ ኣንጻርኩም እተዛረቦ ቓል ስምዑ።  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መገዲ ኣህዛብ ኣይትምሃሩ፣+ኣህዛብ ብእኡ ይርዕዱ እዮም እሞ፡ብምልክታት ሰማያት እውን ኣይትርዓዱ።+   ልምድታት ህዝብታትሲ ናይ ሓሶት* እዩ። ካብ ዱር እተቘርጸ እሞ፡ብኣእዳው ኢደ ጥበበኛ ብንዋቱ* እተሰርሐ ኦም ጥራይ እዩ።+   ብብሩርን ብወርቅን ይስልምዎ፣+ከይወድቕ ከኣ ብሞደሻን ብመሳምርን የጽንዕዎ።+   ኣብ ግራት ኣጕርሲ ኸም ዘሎ መሰንበድ ጭሩ፡ ኪዛረቡ ኣይክእሉን እዮም፣+ኪኸዱ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኪጽወሩ ኣለዎም።+ ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፣ጽቡቕ ኪገብሩ እውን ኣይክእሉን እዮም።”+   ኦ የሆዋ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ እውን ዓብይን ሓያልን እዩ።   ኦ ንጉስ ኣህዛብ፡+ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን።+   ኵላቶም ዘይሓስቡን ዓያሹን እዮም።+ ካብ ኦም ዚውሃብ ትምህርትስ ፍጹም ናይ ሓሶት* እዩ።+   ስራሕ ኢደ ጥበበኛ ዝዀነን ብኣእዳው ኣንጠረኛ እተገብረንተቐጥቂጡ ዝረቐቐ ብሩር ካብ ተርሲስ፡+ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፋዝ የምጽኡ። ክዳውንቶም ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ዝሕብሩ ጸምርን እዩ። ኵላቶም ብኽኢላታት ሰራሕተኛታት እተገብሩ እዮም። 10  ግናኸ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ። ንሱ ህያው ኣምላኽን+ ናይ ዘለኣለም ንጉስን+ እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ፣+ካብ ኣህዛብ እውን ንዅነኔኡ ኺጻወር ዚኽእል የልቦን። 11  * ከምዚ ድማ በልዎም፦ “እዞም ሰማያትን ምድርን ዘይገበሩ ኣማልኽቲካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማያትን ኪጠፍኡ እዮም።”+ 12  ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+ 13  ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣+ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ።+ ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+ 14  ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን። ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+ 15  ናይ ሓሶት* እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።+ መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም። 16  ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣እስራኤል ከኣ በትሪ ርስቱ እዩ።+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ 17  ኣቲ ኣብ ትሕቲ ኸበባ እትቕመጢ፡ኣቕሑኺ ኻብ ምድሪ ኣክቢ። 18  የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ በዚ ግዜ እዚ ነዞም ነበርቲ ኻብዛ ምድሪ እድርብዮም* ኣለኹ፣+ከጨንቖም እውን እየ።” 19  ብሰሪ መስበርተይሲ ወይለይ!+ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ። ኣነ ኸኣ ከምዚ በልኩ፦ “እዝስ ብርግጽ ሕማመይ እዩ፡ ክጾሮ ድማ እየ። 20  ድንኳነይ ዓንያ፡ ኣግማድ ድንኳነይ ከኣ ተበቲኹ።+ ደቀይ ሓዲጎምኒ፡ የለዉን እውን።+ ድንኳነይ ዚግትር ወይ ዓለባታት ድንኳነይ ዜልዕል ሓደ እኳ የልቦን። 21  ጓሶትሲ ዓሽዮም፣+ንየሆዋ ድማ ኣይሓተትዎን።+ ስለዚ፡ ብልቦና ኣይተመላለሱን፣ኵለን መጓሰታቶም ከኣ ፋሕ ኢለን ኣለዋ።”+ 22  ስማዕ! ወረ ይመጽእ ኣሎ! ንኸተማታት ይሁዳ ኼባድመንን ሰፈር ወኻሩ* ኺገብረንን+ካብ ምድሪ ሰሜን ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ይመጽእ ኣሎ።+ 23  ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።+ 24  ኦ የሆዋ፡ ብፍርዲ ኣርመኒ፣ከይተጥፍኣኒ ግና ብቝጥዓኻ ኣይኹን።+ 25  ነድርኻ ኣብቶም ዕሽሽ ዚብሉኻ ኣህዛብ፡+ኣብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌታት ክዖ። ንሳቶምሲ ንያእቆብ ውሒጦምዎ፡+እወ፡ ክሳዕ ዚጸንት ውሒጦምዎ፣+ንዓዱ እውን ኣባዲሞምዋ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኸንቱነት።”
ወይ፡ “ብምሳሩ።”
ወይ፡ “ከንቱነት።”
ፍ. 11 ኣብ መጀመርታ ብኣራማይስጢ ተጻሒፋ ነይራ።
ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ግመ።”
ወይ፡ “ትንፋስ።”
ወይ፡ “ከንቱነት።”
ወይ፡ “እውንጭፎም።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”