ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዳንኤል

ምዕራፋት

1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12

ትሕዝቶ

  • 1

    • የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ተኸብበት (1, 2)

    • ነቶም ካብ ዘርኢ ንጉስ ዝዀኑ ምሩኻት ፍሉይ ስልጠና ተዋህቦም (3-5)

    • ተኣማንነት ኣርባዕተ እብራውያን ተፈተነ (6-21)

  • 2

    • ንጉስ ነቡካድነጻር ዚርብሽ ሕልሚ ሓለመ (1-4)

    • ነቲ ሕልሚ ኺነግሮ ዚኽእል ጥበበኛ ኣይተረኽበን (5-13)

    • ዳንኤል ካብ ኣምላኽ ረድኤት ለመነ (14-18)

    • ነቲ ምስጢር ስለ ዝገለጸሉ፡ ንኣምላኽ ወደሶ (19-23)

    • ዳንኤል ንንጉስ፡ እቲ ሕልሚ ነገሮ (24-35)

    • ትርጉም እቲ ሕልሚ (36-45)

      • ብእምኒ እተመሰለት መንግስቲ ነቲ ምስሊ ሓምሸሸቶ (44, 45)

    • ዳንኤል በቲ ንጉስ ከበረ (46-49)

  • 3

    • ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ (1-7)

      • ነቲ ምስሊ ኺሰግዱሉ ኣዘዘ (4-6)

    • ሰለስተ እብራውያን ብዘይምእዛዞም ተኸስሱ (8-18)

      • ‘ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ፍለጥ’ (18)

    • ናብ እቶን ሓዊ ተደርበዩ (19-23)

    • ካብቲ ሓዊ ብተኣምር ደሓኑ (24-27)

    • ንጉስ ንኣምላኽ እቶም እብራውያን ወደሰ (28-30)

  • 4

    • ንጉስ ነቡካድነጻር ንንግስና ኣምላኽ ተኣመነሉ (1-3)

    • ንጉስ ብዛዕባ ሓንቲ ኦም ዝሓለሞ ሕልሚ (4-18)

      • እታ ኦም ምስ ወደቐት፡ ሸውዓተ ግዜያት ይሓልፋ (16)

      • ኣምላኽ ኣብ መንግስቲ ሰብ ገዛኢ እዩ (17)

    • ዳንኤል ነቲ ሕልሚ ተርጐሞ (19-27)

    • ኣብቲ ንጉስ እተፈጸመ ቐዳማይ ፍጻመ (28-36)

      • ንጉስ ንሸውዓተ ግዜያት ተጸለለ (32, 33)

    • ንጉስ ንኣምላኽ ሰማይ ልዕል ኣበሎ (37)

  • 5

    • ንጉስ ቤልሻጽር ዝገበሮ ድግስ (1-4)

    • ኣብ መንደቕ፡ ኢድ ጸሓፈት (5-12)

    • ዳንኤል ነቲ ጽሕፈት ኪትርጕሞ ተሓትተ (13-25)

    • ትርጉሙ፦ ባቢሎን ክትወድቕ እያ (26-31)

  • 6

    • ሰበ ስልጣን ፋርስ ንዳንኤል ውዲት ኣለሙሉ (1-9)

    • ዳንኤል ምጽላይ ኣየቋረጸን (10-15)

    • ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ (16-24)

    • ንጉስ ዳርዮስ ንኣምላኽ ዳንኤል ኣኽበሮ (25-28)

  • 7

    • ራእይ እቶም ኣርባዕተ ኣራዊት (1-8)

      • ዕብይቲ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት (8)

    • እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ንፍርዲ ተቐመጠ (9-14)

      • ሓደ ወዲ ሰብ ንጉስ ኰነ (13, 14)

    • ትርጉሙ ንዳንኤል ተነግሮ (15-28)

      • እቶም ኣርባዕተ ኣራዊት ኣርባዕተ ነገስታት እዮም (17)

      • ቅዱሳት ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም (18)

      • ዓሰርተ ኣቕርንቲ፡ ወይ ነገስታት፡ ኪትንስኡ እዮም (24)

  • 8

    • ራእይ ድዑልን ድቤላን (1-14)

      • ንእሽቶ ቐርኒ ርእሳ ልዕል ኣበለት (9-12)

      • ክሳዕ 2,300 ምሸትን ንግሆን (14)

    • ገብርኤል ትርጉም እቲ ራእይ ገለጸ (15-27)

      • መንነት እቲ ድዑልን እቲ ድቤላን ተገልጸ (20, 21)

      • ጨካን ዝገጹ ንጉስ ይትንስእ (23-25)

  • 9

    • ዳንኤል ዝጸለዮ ጸሎት ኑዛዜ (1-19)

      • ሰብዓ ዓመት ምብዳም (2)

    • ገብርኤል ናብ ዳንኤል መጸ (20-23)

    • ብትንቢት እተነግረለን 70 ሰሙን (24-27)

      • መሲሕ ድሕሪ 69 ሰሙን ኪቕልቀል እዩ (25)

      • መሲሕ ኪቕተል እዩ (26)

      • እታ ኸተማን እታ መቕደስን ኪጠፍኣ እየን (26)

  • 10

    • ካብ ኣምላኽ እተላእከ ልኡኽ ንዳንኤል በጽሖ (1-21)

      • ሚካኤል ነቲ ልኡኽ ሓገዞ (13)

  • 11

    • ንጉስ ፋርስን ንጉስ ግሪኽን (1-4)

    • ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን (5-45)

      • ኣገዳዲ ኺትንስእ እዩ (20)

      • መራሒ እቲ ኺዳን ኪስበር እዩ (22)

      • ንኣምላኽ ዕርድታት፡ ክብሪ ኺውሃቦ እዩ (38)

      • ኣብ መንጎ ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን ዘሎ ምድፋእ (40)

      • ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ዚርብሽ ወረ (44)

  • 12

    • “ግዜ መወዳእታ”ን ድሕሪኡን (1-13)

      • ሚካኤል ኪቐውም እዩ (1)

      • ልቦና ዘለዎም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም (3)

      • ናይ ሓቂ ፍልጠት ኪበዝሕ እዩ (4)

      • ዳንኤል ንዕጫኡ ኺትንስእ እዩ (13)