ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—2ይ ክፋል፦ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ባህ ዜብል ግበሮ

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—2ይ ክፋል፦ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ባህ ዜብል ግበሮ

 ዊል ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣናብባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ዜሰልኪ ኺመስል ይኽእል እዩ” ይብል።

 ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ባህ ዜብል ክትገብሮ ትደሊዶ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ።

 ንቕዱሳት ጽሑፋት ህይወት ኣልብሶ

 በቲ እተንብቦ ተመሰጥ። ነዚ ኣቀራርባ እዚ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ፦

  1.   ከተጽንዖ እትደሊ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ምረጽ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ወይ ሓደ ኽፋል ወንጌል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

  2.   ነቲ ዛንታ ኣንብቦ። በይንኻ ኸተንብቦ፡ ወይ ምስ ፈተውትኻን ስድራ ቤትካን ኴንካ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ከም ኣዘንታዊ ዀይኑ ኼንብብ ከሎ፡ ካልኦት ከኣ ከም እተፈላለዩ ገጸ ባህርያት ኰይኖም ኬንብቡ ይኽእሉ እዮም።

  3.   ካብዚ ዚስዕብ ሓሳባት ንገሊኡ ፈትኖ፦

    •   ንሓደ ዛንታ ዚገልጽ ስእሊ ስኣል። ወይ ከኣ ንተኸታታሊ ፍጻመታት ዚገልጽ ቀሊል ስእልታት ስኣል። ነቲ ስእልታት ነናቱ መግለጺ ግበረሉ።

    •   ብዛዕባ ሓደ እሙን ሰብ ከተንብብ ከለኻ፡ ንባህርያቱን ንተግባራቱን ምስቲ ዝረኸቦ በረኸት ኣዛምድ።

    •   ነቲ ዛንታ ናብ ዜና ቐይሮ። ካብ እተፈላለየ ኣንፈት ጸብጻብ ኣቕርብ። ነቶም ገጸ ባህርያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ድማ “ቃለ መጠይቕ” ግበረሎም።

    •   ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዛንታ ዘለዉ ገጸ ባህርያት ሕማቕ ውሳነ እንተ ገይሩ፡ መወዳእታኡ እተፈልየ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ ንየሱስ ዝኸሓደሉ ዛንታ እሞ ርአ። (ማርቆስ 14:66-72) ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ እቲ ጸቕጢ እንታይ ዝሓሸ ነገር ኪገብር ምኸኣለ ነይሩ፧

    •   ናይ ፈጠራ ኽእለት እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ናይ ባዕልኻ ድራማ ጽሓፍ። ካብቲ ዛንታ እንታይ ትምህርትታት ከም ዚርከብ እውን ጽሓፍ።—ሮሜ 15:4

      ንመጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ከተልብሶ ትኽእል ኢኻ!

 መርምር!

 ዝርዝር ነገራት ትምርምር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ዛንታ ተሓቢኡ ዘሎ ሃብቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሓደ ወይ ክልተ ቓል ጥራይ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

 ንኣብነት፡ ማቴዎስ 28:7 ምስ ማርቆስ 16:7 ኣረኣኢ።

  •    ማርቆስ ኣብ ጽሑፉ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንጴጥሮስ” እውን ከም ዚርኣዮ ፈልዩ ዝጠቐሰ ስለምንታይ እዩ፧

  •  ኣፋፍኖት፦ ማርቆስ ነቲ ፍጻመታት ናይ ዓይኒ ምስክር ኣይነበረን፣ ነቲ ሓበሬታ ኻብ ጴጥሮስ ረኺብዎ ኪኸውን ኣለዎ።

  •  ሕቡእ ሃብቲ፦ ጴጥሮስ፡ የሱስ ኪረኽቦ ኸም ዝደለየ ምፍላጡ ኣጸናኒዕዎ ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ማርቆስ 14:66-72) የሱስ ንጴጥሮስ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዝዀነሉ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 ንቕዱሳት ጽሑፋት ህይወት እንተ ኣልቢስካዮን ዝርዝር ነጥብታት እንተ መርሚርካን፡ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብዝያዳ ባህ ዜብል ኪዀነልካ እዩ!