ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ዓርኪ ምሓዝ—2ይ ክፋል፦ ዓርኪ ምስ ሓዝኩ፡ እንታይ እየ ኽጽበ ዘሎኒ፧

ዓርኪ ምሓዝ—2ይ ክፋል፦ ዓርኪ ምስ ሓዝኩ፡ እንታይ እየ ኽጽበ ዘሎኒ፧

 ኣብ መንጎ ኽልቴኹም ኣንጻር ጾታ ምስሕሓብ ይፍጠር። ስለዚ፡ ሓዴኹም ነቲ ሓደ ንሓዳር ዚዀኖ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ፡ ፍቕራዊ ቕርርብ ትጅምሩ። ኣብቲ ብዕርክነት እተሕልፍዎ ግዜ እንታይ ኢኹም ክትጽበዩ ዘሎኩም፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ብቕንዕና ንምዝርራብ ትጽቢት ግበሩ

 ኣብቲ ተዓራሪኽኩም እተሕልፍዎ ግዜ፡ ብዛዕባ ሓድሕድኩም ብዙሕ ክትፈልጡ ኢኹም። ባህርያት ሓድሕድኩም ብምዕዛብ፡ ሓደስቲ ነገራት ክትፈልጡ ኢኹም።

 እንተዀነ ግና፡ ብግልጺ ኽትመያየጡሉ ዘሎኩም ነገራት ኣሎ። ከምኡ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ ስምዒትኩም ንናይ ምምዝዛን ክእለትኩም ኬበላሽዎ ኣይትፍቀዱ።

 ገለ ኻብቲ ኽትመያየጡሉ ዘሎኩም ጕዳያት፦

  •   ገንዘብ። ዕዳ ዘለዎ ኣሎዶ፧ ገንዘብ ናይ ምክዋን ጸገም ዘለዎ ኣሎዶ፧ እንተ ተመራዒኹም፡ ብዛዕባ ኣታዊኹምን ወጻኢኹምን ብኸመይ ኢኹም ውሳነታት ክትገብሩ፧

  •   ጥዕና። ጽቡቕ ጥዕናዶ ኣሎኩም፧ ኣብ ሕሉፍ ከቢድ ጸገም ጥዕና ኣጋጢሙኩምዶ ይፈልጥ፧

  •   ሸቶታት። ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ህይወትኩም እንታይ ሸቶታት እዩ ዘሎኩም፧ ሸቶኹም ምስ ናይ ዓርክኹም ሸቶታት ይሳነ ድዩ፧ ምስ ተመርዓኹም፡ ብሰንኪ ዅነታትኩም ንሸቶታትኩም ክትወቕዑ እንተ ዘይክኢልኩም፡ ሓጐስኩም ክትዕቅቡ ትኽእሉ ዲኹም፧

  •   ቤተ ሰብ። ሕጂ ናይ ቤተ ሰብ ሓላፍነታት ኣሎኩምዶ፧ ኣብ መጻኢ እንታይ ሓላፍነታት ኪህልወኩም ኢኹም ትጽቢት እትገብሩ፧ ውሉዳት ኪህልዉኹም ትደልዩ ዲኹም፧ ክንደይ ውሉዳት ኢኹም እትደልዩ፧

 ነዚ ጕዳያት እዚ ኽትመያየጡሉ ኸለኹም፡ ብቕንዕናን ብግልጽን ተዛራረቡ። ምእንቲ ኽትፍተዉ ኢልኩም ሓበሬታ ኣይትሕብኡ ወይ ኣይትጠዋውዩ።—እብራውያን 13:18

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብዛዕባ ሓድሕድኩም እንታይ ኢኹም ክትፈልጡ ዜድልየኩም፧ ብጻይኩምከ ብዛዕባኹም እንታይ እዩ ኺፈልጥ ዘለዎ፧ ደሓር ክትመራዓዉ እንተ ወሲንኩም፡ ካብ ሕጂ ብግልጺ ምዝርራብ ንሓዋሩ ብቕንዕና ንምርድዳእ ብኸመይ ባይታ የጣጥሓልኩም፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”—ኤፌሶን 4:25

 “እታ ጓል፡ ‘ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሕጸ ንበጽሕ ንኸውን’ ኢላ ትሓስብ ትኸውን፣ እቲ ወዲ ግና ዓመት ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እታ ጓል ነቲ ሕጸ ብቕልጡፍ ስለ እተጸበየቶ፡ ክትጕዳእ ወይ እትገብሮ ኺጠፍኣ ይኽእል እዩ። ክልቲኦም ሕደ ሓሳብ ኪሕዙ ኣለዎም።”—ኣሪያና፡ ሓደ ዓመት ኣብ ሓዳር።

 በበይኑ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወኩም ትጽቢት ግበሩ

 ሕደ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት የለዉን። ስለዚ፡ ዕርክነት ምስ ጀመርኩም፡ ክልቴኹም ብዛዕባ ዅሉ ነገራት ከም እትሰማምዑ ወይ ሕደ ስምዒት ከም ዚህልወኩም ኣይትጸበዩ። ከም ባህልን ኣተዓባብያን ዝኣመሰለ ረቛሒታት ንኣረኣእያኹም ኪጸልዎ ይኽእል እዩ።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልወኩም ከሎ፡ ንጹር መለክዒ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ፡ ምእንቲ ሰላም ኢልኩም ንምትዕጽጻፍ ፍቓደኛታት ዲኹም፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልዙባት [ወይ፡ “ሚዛናውያን”] ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ።

 “ምሉእ ብምሉእ ከም እትሳነዩ እኳ እንተ መሰለኩም፡ ፍልልያት ኪህልወኩም እዩ። ስኒት ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ፍልልያት ንምፍታሕ ዜኽእል ባህርያት ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።”—ማትዩ፡ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሓዳር።

 ዓርኪ ምሓዝ ውጥረት ከም ዘለዎ ትጽቢት ግበሩ

 ዓርኪ ምሓዝ ብዙሕ ግዜኹም ስለ ዚበልዕ፡ እተወሰነ ውጥረት ኪፈጥረልኩም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

 ሚዛናዊ ደረት ግበሩ። ኣብቲ ርክብኩም እምብዛ ኻብ ምትኳርኩም እተላዕለ ንሓላፍነታትኩም ወይ ንኻልኦት ፈተውትኹም ዕሽሽ ኣይትበሉ። ኣብ ሓዳር ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረት ኣላና፡ “ድሕሪ መርዓ እውን እንተ ዀነ ፈተውትኻ የድልዩኻ እዮም፣ ንስኻ እውን ተድልዮም ኢኻ። ሕጂ ዓርኪ ስለ ዝሓዝካ፡ ዕሽሽ ኣይትበሎም” ትብል።

 ምስ ተመርዓኻ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ሚዛንካ ኽትሕሉ የድልየካ እዩ። እሞ ደኣ ዓርኪ ምስ ሓዝካ እውን ሚዛንካ ንምሕላው ስለምንታይ ዘይትጽዕር፧

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ፍቕራዊ ቕርርብኩም፡ ሓዴኹም ካብቲ ሓደ እምብዛ ብዙሕ ግዜን ቈላሕታን ይሓትት ድዩ፧ እቲ ርክብኩም ንሓይልኹም ምእንቲ ኸይጽንቅቖ ወይ ዓቕልኹም ምእንቲ ኸየጽብበልኩም፡ ብኸመይ ኢኹም ሚዛናውያን ክትኰኑ እትኽእሉ፧

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኣለዎ።”—መክብብ 3:1

 “መጻምድቲ ነቲ ፍቕራዊ ቕርርብ ዚገብሩሉ እዋን ኣብ መዘናግዒ ጥራይ የሕልፍዎ እንተ ነይሮም፡ ሓዳር ኬሰምብዶም ይኽእል እዩ። ዜድሊ ነገራት ከም ምትዕድዳግ፡ ዕዮ ገዛ ኸም ምዕያይ፡ ብሓባር ኣብ ኣምልኾ ኸም ምስታፍ ኣብ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ንጥፈታት ህይወት እንተ ተሳተፉ ጽቡቕ እዩ። እዚ ኸኣ ንሓዳሮም ድልዱል መሰረት ኬንብሩ የኽእሎም እዩ።”—ዳንኤል፡ ክልተ ዓመት ኣብ ሓዳር።

 ወድን ጓልን ፍቕራዊ ቕርርብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ናብ ውሳነ ንምምራሕ ዚሕግዝ ውሱን ግዜ ኪኸውን ይግባእ። እዚ ውሳነ ኸኣ ምምርዓው ወይ ነቲ ፍቕራዊ ርክብ ምቍራጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ 3ይ ክፋል፡ ነቲ ውሳነ እቲ ኽትገብር ከለኻ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ ነገራት ኪግለጽ እዩ።