ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዚስምዓኒ፧

ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዚስምዓኒ፧

 ገዛእ ርእስኻ ገምግም!

  •  እዚ ዚስዕብ ባህርይ ኵሉ ሳዕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓድሓደ ግዜ ንዓይ ይገልጸኒ እዩ፣ ወይ ከቶ ኣይገልጸንን እዩ፦

    •  ቅኑዕ

    •  ርጡብ

    •  ኣኽባር ግዜ

    •  ትጉህ

    •  ስርዓት ዚሕሉ

    •  ሕያዋይ

    •  ፍትሓዊ

    •  ኣኽባሪ ሰብ

    •  ሓላዪ

  •   ካብዘን ባህርያት እዚአን ነየኖት ኢኻ ጽቡቕ ኣማዕቢልካየን ዘለኻ፧

     ነቲ ጽቡቕ ጐድንኻ ሒዝካ ተመላለስ።—ፊልጲ 3:16

  •   ነየኖት ባህርያት ኢኻ ገና ኸተማዕብለን ዘሎካ፧

 እዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ኣብቲ መዳይ እቲ ኽትመሓየሽ ኪሕግዘካ እዩ።

 ሓላፍነት ዚስምዖ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 ሓላፍነት ዚስምዖም ሰባት ኣብ ገዛን ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ማሕበረ ሰብን ዘለዎም ግዴታታት ይፍጽሙ እዮም። ብተግባራቶም ተሓተትቲ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ጌጋታቶም ይእመኑ፡ ይቕረታ ይሓትቱ፡ ንምኽሓስ እውን ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”—ገላትያ 6:5

 ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ ክኸውን ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

  ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ ንኽእለታቱ ብጥበብ እዩ ዚጥቀመሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከም ዓብዪ ሰብ ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ፣ ብዘይካዚ፡ ናጽነት ይውሃቦ፡ ሓለፋታት እውን ይግበረሉ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ዕዮኡ ኽኢላ ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ይቐውም።”—ምሳሌ 22:29

  ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ለጋስ እዩ፡ ምስ ሰባት እውን ጽቡቕ ዕርክነት ይህልዎ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሃቡ፡ ኪህቡኹም እውን እዮም።”—ሉቃስ 6:38

  ሓላፍነት ዚስምዖ ሰብ ብተግባሩ ይዓግብን ግቡእ ሓበን ይስምዖን እዩ፣ ስለዚ፡ ብርእሱ ይተኣማመን እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡ . . . ብርእሱ ጥራይ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።”—ገላትያ 6:4

 ከመይ ገይረ እየ ብዝያዳ ሓላፍነት ከም ዚስምዓኒ ኽገብር ዝኽእል፧

 ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ርኣዮ። ካብዚ ኣየናይ እዩ ንዓኻ ብዝያዳ ዚገልጸካ፧

 “ከም ሕጻን ገይሮም ስለ ዚሕዙኒ፡ ኣመና እየ ዝበሳጮ፣ ማማን ባባን ንሓንቲ ሰዓት እኳ በይነይ ኣይሓድጉንን እዮም፡ ኣበይ ከም ዘለኹ ወትሩ ኽትትል ይገብሩለይ እዮም!”—ኬሪ።

 “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወለደይ ምስ ኣዕሩኸይ ክኸይድ ብዘይ ገለ ጸገም ይፈቕዱለይ እዮም።”—ሪቻርድ።

 “መሳቶይ ዚፍቀደሎም ነገራት ክርኢ ኸለኹ፡ ‘ስለምንታይ እዮም ወለደይ ንዓይ ከምኡ ዘይፈቕዱለይ፧’ ኢለ እሓስብ እየ።”—ኣን።

 “ወለደይ ዝደለኽዎ ኽገብር ይፈቕዱለይ እዮም። ናጽነት ስለ ዝሃቡኒ፡ አመስግኖም እየ።”—ማሪና።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ገሊኦም መንእሰያት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ናጽነት ይውሃቦም እዩ። ስለምንታይ እዩ ዝያዳ ናጽነት ዚውሃቦም፧

 ክውንነት ህይወት፦ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወለድኻ ብዝያዳ እናኣመኑኻ ምስ ከዱ፡ ብዝያዳ እዮም ናጽነት ዚህቡኻ።

 ንኣብነት፡ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ክልተ መንእሰያት እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ።

 ሪቻርድ፦ “ኣብ ሓደ እዋን፡ ወለደይ ንናጽነተይ ብግቡእ ክጥቀመሉ ዝኽእል እንተ ዀይነ ይጠራጠሩ ነይሮም እዮም። ንናጽነተይ ሓላፍነት ተሰሚዑኒ ስለ እተጠቐምኩሉ ግና፡ ሕጂ ይኣምኑኒ እዮም። ናበይ ከም ዝኸይድ ወይ ምስ መን ከም ዝኸይድ ንወለደይ ኣይሕስዎምን እየ። ከም ሓቂ፡ ወለደይ ገና ኸይሓተቱኒ እየ እንታይ ከም ዝሓስብ ዘለኹ ዝነግሮም።”

 ማሪና፦ “ኣብ ምሉእ ህይወተይ ንወለደይ ክልተ ሳዕ እየ ሓስየዮም፣ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ ድማ ተታሒዘ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ንወለደይ ሓቂ እየ ዝነግሮም። ንኣብነት፡ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ብዝርዝር እነግሮም እየ፣ ደገ ክኸውን ከለኹ እውን እድውለሎም እየ። ሕጂ ብዝያዳ እዮም ዚኣምኑኒ።”

እንታይ ኢኻ እተቐድም—ዕዮ ገዛዶ መዘናግዒ፧

 ወለድኻ ኸም ሪቻርድን ማሪናን ገይሮም ኪሕዙኻዶ ትደሊ፧ ከምኡ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብዚ መዳያት እዚ ገዛእ ርእስኻ መርምር፦

ገዛኻ

  •   ዕዮ ገዛኻ ብጽፉፍ ትዓምም ዲኻ፧

  •   ነቲ ናይ ገዛኹም ሰዓት እቶእቶ ብጽኑዕ ትሕልዎ ዲኻ፧

  •   ንወለድኻን ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ብኣኽብሮት ትሕዞም ዲኻ፧

 ኣበየናይ ኢኻ ኸተመሓይሽ ዘሎካ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንወለድኹም . . . ተኣዘዝዎም።”—ኤፌሶን 6:1

ትምህርትኻ

  •   ዕዮ ትምህርትኻ ብእዋኑ ትዛዝም ዲኻ፧

  •   ነጥብኻ ንምምሕያሽ ጻዕሪ ትገብርዶ ኣለኻ፧

  •   ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ኣሎካዶ፧

 ኣበየናይ ኢኻ ኸተመሓይሽ ዘሎካ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጥበብ . . . ዕቝባ እያ።” (መክብብ 7:12) ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ጥበብ ከተማዕብል ይሕግዘካ እዩ።

ስምካ

  •   ምስ ወለድኻን ካልኦትን ኣብ ዘሎካ ርክብ ሓቀኛ ዲኻ፧

  •   ገንዘብ ብግቡእ ከተካውን ትኽእል ዲኻ፧

  •   ርጡብ ሰብ ዲኻ፧

 ኣበየናይ ኢኻ ኸተመሓይሽ ዘሎካ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሓድሽ ስብእና . . . ልበሱ።” (ኤፌሶን 4:24) ባህርያትካ ኸተመሓይሽ፡ ጽቡቕ ስም እውን ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ።

 ርእይቶ፦ ምምሕያሽ ክትገብረሉ እትደሊ መዳይ ሕረ። ኣብቲ መዳይ እቲ ብሉጻት ንዝዀኑ ሰባት ኣዛራርብ፡ ካባታቶም እውን ምኽሪ ርኸብ። ነቲ ባህርይ እቲ ብኸመይ ከም እተማዕብሎ ብዝርዝር ጽሓፍ፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ እትገብሮ ምምሕያሽ እውን መዝግብ። ዝረኸብካዮ ዓወትን ዘጋጠመካ ዕንቅፋትን መዝግብ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ፡ ንዝገበርካዮ ምምሕያሽ ተዓዘብ።