ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ዓርኪ ምሓዝ—1ይ ክፋል፦ ዓርኪ ኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧

ዓርኪ ምሓዝ—1ይ ክፋል፦ ዓርኪ ኽሕዝ ተዳልየ ድየ፧

 ዓርኪ ምሓዝ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

 ገሊኦም ሰባት ባህ ስለ ዚብሎም ጥራይ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ዓርኪ ይሕዙ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ዓርኪ ምሓዝ” ክንብል ከለና፡ ነቲ ኽልተ ኣንጻር ጾታ ንሓዳር ዚሰማምዑ እንተ ዀይኖም ንምፍላጥ ብሓባር ግዜ እናኣሕለፉ ዚምስርትዎ ርክብ ኢና እነመልክት ዘለና። ስለዚ፡ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ዓርኪ ኽትሕዝ ወይ ምስ ኣንጻር ጾታ ፍቕራዊ ርክብ ክትምስርት ከለኻ፡ ብዕላማ እዩ ዚግበር። ስቕ ኢልካ ምስ ኣንጻር ጾታ ንምቅርራብ ጥራይ ዚግበር ኣይኰነን።

 ዕርክነት ዝመስረቱ ኣንጻር ጾታ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ኪመራዓዉ ወይ ነቲ ፍቕራዊ ርክቦም ኪበትክዎ ኣለዎም። ዓርኪ ኽትሕዝ ከለኻ፡ ንሓዲኡ ድሉው ክትከውን ኣሎካ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንኣንጻር ጾታ ኸም ዓርኪ ንምሓዝ ድሉው ከም ዝዀንካ እንተ ኣሚንካ፡ ንመርዓ እውን ድሉው ከም ዝዀንካ ኽትኣምን ኣሎካ።

ንመርዓ ኸይሓሰብካ ኣንጻር ጾታ ዝዀነ ዓርኪ ምሓዝ፡ ስራሕ ክትኣቱ ኸይሓሰብካ ናብ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ከም ምኻድ እዩ

 ዓርኪ ንምሓዝ ተዳሊኻ ዲኻ፧

 ዓርኪ ምሓዝ ናብ መውስቦ ኺመርሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እንታይ ባህርያት ሒዝካ ትኣትዎ ኸም ዘለኻ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  •   ምስ ስድራ ቤት ዘሎካ ርክብ። እቲ ንወለድኻን ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን እትገብረሎም ኣተሓሕዛ፡—ምናዳ ኸኣ እቲ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ክትከውን ከለኻ እትገብረሎም ኣተሓሕዛ፡—ብዛዕባ እቲ ንመጻምድትኻ ዚህልወካ ኣተሓሕዛ ይሕብር እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ።”—ኤፌሶን 4:31

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ወለደይን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብኣኽብሮት ከም ዝሕዞም ድዩ ዚስምዖም፧ ምስ ሓዲኦም ዘይምስምማዕ ኪፍጠር ከሎ፡ ብህድኣት ድየ ዘዛራርቦም፡ ወይስ እቝጣዕን እቋየቝን እየ፧’

    ምስ ወለድኻ ንዜጋጥመካ ዘይምርድዳእ ክትፈትሖ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ምስ መጻምድቲ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!

  •   ርእሰ መስዋእቲ። ምስ ተመርዓኻ፡ ንድሌት መጻምድትኻ ኣብ ግምት ከተእቱን ንምርጫታቱ ኽትርዕምን ኣሎካ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኵሉ ሳዕ ከምቲ ዝበልክዎ ኪኸውን ድየ ዝደሊ፧ ካልኦት ሰባት፡ ሚዛናዊ ኸም ዝዀንኩ ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፧ ጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕመይ ከም ዘቐድም ብኸመይ አርኢ ኣለኹ፧’

  •   ትሕትና። ኣብ ሓዳሩ ንፉዕ ዝዀነ ሰብ ጌጋኡ ይእመንን ካብ ልቡ ይቕረታ ይሓትትን እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።”—ያእቆብ 3:2

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ጌጋታተይ ብቐሊሉ ድየ ዝእመን፡ ወይስ መመኽነይታታት እየ ዘቕርብ፧ ሃናጺ ነቐፌታ ኺውሃበኒ ኸሎ፡ ቅር ይብለኒ ድዩ፧’

  •   ገንዘብ። ሓደ ሰብ ኣካዊኑ ኺነብር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ኣብ ሓዳሩ ኺፍጠር ዚኽእል ዝነበረ ብዙሕ ግጭት እዩ ዚስተር።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሃንጽ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃስ 14:28

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንወጻኢታተይ ክቈጻጸሮ እኽእል ድየ፡ ወይስ ብተደጋጋሚ እየ ኣብ ዕዳ ዝእለኽ፧ ገንዘብ ከካውን ከም ዝኽእል ኣርእየ ድየ፧’

  •   መንፈሳዊ ጥዕና። ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጽናዕን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ናይ ምእካብን ልማድ ኪህልወካ ኣለዎ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መንፈሳዊ ጥዕናይ ክሕሉ እጽዕር ድየ፧ ንመንፈሳዊ ንጥፈታተይ ቀዳምነት እህቦ ድየ፡ ወይስ ካልእ ነገራት ኬተሓናዅለኒ እፈቅድ እየ፧’

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ዝዀነ ሰብ ንፉዕ መጻምድቲ እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ንፉዕ መጻምድቲ ንምዃን ትጽዕር እንተ ኣሊኻ፡ ምስ ከማኻ ዓይነት መጻምድቲ ናይ ምቅርራብ ዕድልካ ሰፊሕ ኪኸውን እዩ።