ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧

ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧

 ብመሰረት ጸብጻብ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ካብቶም ንዝቐረበሎም ሕቶ ምላሽ ዝሃቡ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ኽሳዕ 19 ዚርከቡ መንእሰያት፡ ፍርቆም ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም እዮም። ሻርሊን ኣዛም ዝስማ ደራሲት እታ ኦራል ሰክስ ኢዝ ዘ ኒው ጉድናይት ኪስ እተባህለት መጽሓፍ፡ “ንመንእሰያት ብዛዕባ እቲ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ እንተ ተዛሪብካዮም፡ ‘እንታይሞ ኣለዎ፧’ እዮም ዚብሉኻ። ከም ጾታዊ ርክብ ገይሮም እውን ኣይቈጽርዎን እዮም” ትብል።

 እንታይ ይመስለካ፧

 ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ እወ ወይ ኣይፋል ኢልካ መልሶ።

  1.   ሓንቲ ጓል ብኣፍ ብዚግበር ጾታዊ ርክብ ክትጠንስ ትኽእል ድያ፧

    1.  ሀ. እወ

    2.  ለ. ኣይፋል

  2.   ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንሕማም የቃልዕ ድዩ፧

    1.  ሀ. እወ

    2.  ለ. ኣይፋል

  3.   ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧

    1.  ሀ. እወ

    2.  ለ. ኣይፋል

 መርትዖ እንታይ ይሕብር፧

 መልስኻ ምስዚ ዚስዕብ ኣረኣእዮ።

  1.   ሓንቲ ጓል ብኣፍ ብዚግበር ጾታዊ ርክብ ክትጠንስ ትኽእል ድያ፧

     መልሲ፦ ኣይፋል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም፡ ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጕድኣት ከም ዘይብሉ ዚሓስቡ።

  2.   ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ንሕማም የቃልዕ ድዩ፧

     መልሲ፦ እወ። ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዚፍጽም ሰብ ንወይቦ፡ ኣብ ብልዕቲ ንዚርአ ሕበጥ፡ ንጅግል፡ ንሀርፐስ፡ ንአይድስ፡ ንፍንጣጣ ኺቃላዕ ይኽእል እዩ።

  3.   ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብሓቂዶ ጾታዊ ርክብ እዩ፧

     መልሲ፦ እወ። ምስ ናይ ካልእ ሰብ ጾታዊ ኣካላት ዚግበር ዝዀነ ይኹን ምትንኻፋት፡ ማለት ንቡር ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብመሃንቱስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ዚገብሮ ግብረ ሕቡእ ምስ ጾታዊ ርክብ እዩ ዚምደብ።

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ብኣፍ ምስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዚተሓሓዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ መርምር።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁን እዩ።”—1 ተሰሎንቄ 4:3

 ኣብቲ ቦኽሪ ቛንቋ፡ እታ “ምንዝርና” እትትርጐም ቃል፡ ካብ መውስቦ ወጻኢ ንዚግበር ኵሉ ዓይነት ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ተመልክት። እዚ ኸኣ፡ ንቡር ጾታዊ ርክብ፡ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ብመሃንቱስ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ዚገብሮ ግብረ ሕቡእ የጠቓልል። ዚምንዝር ሰብ ከቢድ ሳዕቤን እዩ ዚዓጽድ። እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከኣ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዚበላሾ ምዃኑ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:12

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እዩ ዚሓጥእ።”—1 ቈረንቶስ 6:18

 ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ኣካላውን መንፈሳውን ጕድኣት የስዕብ እዩ። ስምዒታዊ ጉድኣት እውን ኣለዎ። ቶኪንግ ሰክስ ዊዝ ዮር ኪድስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ከም እተበለጹልካ ዚስምዓካ ስምዒት፡ ጣዕሳ፡ ወይ ተኣፋፍነት፡ ብርሕሚ ኣብ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ብግጉይ መገዲ ንቡር ጾታዊ ርክብ ምስ ዚፍጽም ኬጋጥሞ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ስምዒታዊ በሰላ፡ ብግጉይ መገዲ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ምስ ዚፍጽም እውን ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። ጾታዊ ርክብ፡ ጾታዊ ርክብ እዩ።”

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17

 ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዚገልጽ ሕግታት ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዚጠቕመካስ ትኣምነሉ ዲኻ፧ ወይስ ከም ዚቕይደካ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ፧ ነዚ ሕቶታታ እዚ ንምምላስ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ማካይን ብብዝሒ ኣብ ዚንቀሳቐሳሉ ጽርግያ ብዛዕባ ዚርከብ ደረት ፍጥነትን ምልክት ደው መበልን ካልእ ምልክታት ትራፊክን ሕሰብ። ነዚ ምልክታት እዚ ኸም ቀይዲ ዲኻ እትቘጽሮ ወይስ ከም ዕቝባ፧ ንሳኻ ዀነ ኻልኦት ዘወርቲ ነዚ ዕሽሽ እንተ ኢልኩምዎ እንታይ እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

ሕግታት ትራፊክ ንናጽነትካ ዚቕይድ እኳ እንተ ዀነ፡ የዕቝበካ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሕግታት ኣምላኽ እውን ዚቕይደካ እኳ እንተ ዀነ፡ የዕቝበካ እዩ

 ስርዓታት ኣምላኽ እውን ተመሳሳሊ እዩ፡ ዕሽሽ እንተ ኢልካዮ ዝዘራእኻዮ ኢኻ እትዓጽድ። (ገላትያ 6:7) ሰክስ ስማርት እተባህለት መጽሓፍ፡ “ንእምነትካን ክብርታትካን ዕሽሽ ኢልካ፡ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ኣብ ዘይትኣምነሉ ንጥፈታት እንተ ተጸሚድካ፡ ንርእስኻ ዘሎካ ኽብሪ ይንኪ እዩ” ትብል። ብኣንጻሩ ግና፡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ እንተ ተመላሊስካ፡ ቅኑዕ ስነ ምግባር እዩ ዚህልወካ። ዝያዳ ኸኣ ጽሩይ ሕልና ይህልወካ።—1 ጴጥሮስ 3:16