ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምሕዝነትዶ ፍቕሪ—2ይ ክፋል፦ እንታይ መልእኽቲ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ፧

ምሕዝነትዶ ፍቕሪ—2ይ ክፋል፦ እንታይ መልእኽቲ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ፧

 ሓደ ፈታዊኻ ምሳኻ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኪዘራረብ ምስ ዚደሊ፡ ግዜ ሂብካ ኽትሰምዖ ትደሊ ኢኻ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ምስ ሓደ ፈታዊኻ ብዙሕ ግዜ ተዕልል ኣለኻ። እቲ ጸገም ግና፡ እዚ ፈታዊኻ እዚ ኣንጻር ጾታ እዩ። ንሱ እውን ከምኡ ኸም ዚስምዖ ብምሕሳብ፡ ንርእስኻ ‘መሓዙት ጥራይ ኢና’ ትብላ። እሞኸ፡ ኬተሓሳስበካ ዘለዎ ነገር ኣሎዶ፧

 እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

 ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ፈተውቲ ኺህልዉኻ ጌጋ ኣይኰነን። ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምስ ሓደ ሰብ ፍሉይ ምሕዝነት እንተ ኣማዕቢልካኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ ሰብ ብምሕዝነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ ፍቕሪ ኸም እትጥምቶ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ።

 ግናኸ፡ ነቲ ሰብ እዚ መልእኽቲ እዚ ዲኻ ኸተመሓላልፈሉ እትደሊ፧ ብዘይፍላጥ እውን ይኹን ከምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ እስከ ርአ።

  •   ንሓደ ሰብ መጠኑ ዝሓለፈ ኣቓልቦ ትገብረሉ።

     “ዋላ እኳ ንስምዒት ካልእ ሰብ ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል እንተ ዀንካ፡ ‘መሓዙት ጥራይ ኢና’ እናበልካ ነቲ ሰብ ብቐጻሊ ብምድዋልን ብምዕላልን፡ ንሓዊ ነዳዲ ኽትውስኸሉ የብልካን።”ሴራ።

  •   ካልእ ሰብ ንዚገብረልካ ኣቓልቦ ምላሽ ትህበሉ።

     “ነቲ ምልእኣኽ ኣነ እኳ እንተ ዘይጀመርክዎ፡ እታ ጓል ንእትልእኸለይ ዝነበረት ሓያሎ መልእኽቲ ግና ይምልሰሉ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ከም ፈታዊተይ ጥራይ ገይረ ኸም ዚርእያ ኽገልጸላ ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነይሩ።”ሪቻርድ።

  •   ንሓደ ሰብ ኣቓልቦ ኺገብረልካ ትዕድሞ።

     “ገሊኦም ሰባት ንምኵሻም ከም ጕድኣት ዘይብሉ ጸወታ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ምስ ሓደ ሰብ ንዘለዎም ርክብ ኣቕሊሎም ብምርኣይ፡ ብስምዒቱ ይጻወቱ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኸምኡ ኼጋጥም ርእየ እየ፣ ወትሩ ድማ በዚ ዚጕዳእ ሰብ ኣሎ።”—ታማራ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንሓደ ሰብ ኣዘውቲርካ ተዕልሎን ኣቓልቦ ትገብረሉን እንተ ዄንካ፡ ብዓይኒ ፍቕሪ ኸም እትርእዮ ዚገልጽ መልእኽቲ ኢኻ እተመሓላልፈሉ።

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  •   ነቲ ኻልእ ሰብ ይጐድኦ እዩ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እተናውሐ ትጽቢት፡ ልቢ የሕምም።” (ምሳሌ 13:12) ሓደ ሰብ ንዓኻ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ዚሕብር መልእኽቲ ብቐጻሊ እንተ ዜመሓላልፈልካ፡ እንታይ ትጽቢት ምገበርካ፧

     “ንሓደ ዓሳ ኣብ ዓንቃሪቦ ምስ ሓዝካዮ፡ ከይፈነኻዮ ወይ ከየልዓልካዮ ኣብታ ዓንቃሪቦ ሓዲግ መዲግ ክትሓድጎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርክባት ደቂ ሰብ እውን ከምዚ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ዕርክነት ክትጅምር መደብ ዘይብልካ ኽነስኻ፡ ንዕኡ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ዚሕብር መልእኽቲ እናኣመሓላለፍካ ኣብ ዓንቃሪቦ ትሕዞ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ሰብ ብዙሕ ስቓይ ኢኻ እተስዕበሉ።”ጀሲካ።

  •   ንስምካ የበላሽዎ እዩ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።” (ፊልጲ 2:4) ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብ ሰብ እንታይ ባህርይ ዜንጸባርቕ ኰይኑ ይስምዓካ፧ እዚኸ ንስሙ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

     “ምስ ኣዋልድ ዚኳሸም ወዲ ኣስሕበንን እዩ። ምኵሻም፡ ኣብ ሓዳርካ እውን ዘይእሙን ከም እትኸውን ዜርኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዓካ ኢልካ ኢኻ ነቲ ሰብ እትጥቀመሉ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ እዩ።”ጁልያ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ዕርክነት ኪጅምሩ ድሌት ዘይብሎም ክነሶም ንኻልኦት ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዚሕብር መልእኽቲ ዜመሓላልፉ ሰባት፡ ንኻልኦትን ንርእሶምን እዮም ዚጐድኡ።

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንኣጕባዝ ከም ኣሕዋትና፡ ንንኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓትና ጌርና ብዅሉ ንጽህና’ ኽንሕዞም የተባብዓና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2) ነዚ ስርዓት እዚ እንተ ስዒብካ፡ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ምሕዝነት ክትዕቅቦ ትኽእል ኢኻ።

     “ምርዕውቲ እንተ ዝኸውን፡ ምስ መጻምድቲ ኻልእ ሰብ ኣይምተዃሸምኩን ነይረ። ስለዚ፡ ሕጂ ገና ኸይተመርዓኹ ኸለኹ ምስ ኣንጻር ጾታ ንዘሎኒ ርክብ ብሚዛናዊ መገዲ ዝሕዞ እንተ ዀይነ፡ ንመጻኢ ጽቡቕ ልምምድ እዩ ዝዀነኒ።”ልያ።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን” ይብል። (ምሳሌ 10:19) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዝርርብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዚልኣኽ መልእኽትታት እውን ይውዕል እዩ፣ እዚ ድማ ንእትጽሕፈሉ ብዝሒ ግዜን ንትሕዝቶ መልእኽትኻን የጠቓልል።

     “ንሓንቲ ጓል ክትተዓራረኻ መደብ ዘይብልካ እንተ ዀይኑ፡ መዓልቲ መዓልቲ መልእኽቲ ኽትልእኸላ ኣየድልየካን እዩ።”ብራያን።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድሚ ዅሉ ንጽህቲ እያ” ይብል። (ያእቆብ 3:17) ንሓደ ሰብ ብንጹህ መገዲ ኽትሓቝፎ ትኽእል ኢኻ፣ እትሓቝፈሉ መገዲ፡ ነቲ ሰብ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ዚገልጽ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ።

     “ምስ ካልኦት ከዕልል ከለኹ፡ ንዕላለይ ምሕዝነታውን ደረቱ ዝሓለወን ክገብሮ እየ ዝጽዕር።”ማርያ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎካ ኣካይዳ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ጀኒፈር ዝስማ መንእሰይ፡ “ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኽትረክብ ቀሊል ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ ግጉይ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ንምሕዝነትካ ኸተበላሽዎ የብልካን” ትብል።

 ምኽሪ

  •   ነቲ ኻልኦት ሰባት ዚብሉኻ ነገራት ኣቕልበሉ። ንኣብነት ሓደ ሰብ፡ “ንስኻን እገሊትን ኣዕሩኽ ዲኹም፧” ኢሉ እንተ ሓቲቱካ፡ ምስታ ሰብ ኣዚኻ ተቐራሪብካ ኸም ዘለኻ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  •   ኣንጻር ጾታ ምስ ዝዀኑ መሓዙትካ ብማዕረ ተቐራረብ። ንሓደ ሰብ ፈሊኻ ዝያዳ ኣቓልቦ ኣይትግበረሉ።

  •   ንእትልእኾ መልእኽትታት ተጠንቀቐሉ፣ እዚ ኸኣ ንእትጽሕፈሉ ብዝሒ ግዜን ንትሕዝቶ መልእኽትኻን ንእትልእኸሉ እዋንን የጠቓልል። ኣሊሳ ዝስማ ጓል፡ “ኣንጻር ጾታ ንዝዀነ ሰብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ መልእኽቲ ኽትልእኸሉ ኣየድልየካን እዩ” ትብል።