ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምኵሻም ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ድዩ፧

ምኵሻም ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ድዩ፧

 ምኵሻም እንታይ እዩ፧

 ገሊኦም ሰባት ንምኵሻም፡ ብቓላትካ ወይ ብተግባራትካ ጌርካ ንኣንጻር ጾታ ዘሎካ ፍቕራዊ ተገዳስነት እትገልጸሉ መገዲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንሓደ ሰብ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ምግላጽ ጌጋ ድዩ፧ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣን ዝስማ መንእሰይ፡ “ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ክትምስርት ተዳሊኻ እንተ ዄንካን ንሓደ ሰብ ተገዲስካሉ እንተ ኣሊኻን፡ ፍቕራዊ ተገዳስነትካ ኸይገለጽካ ኸመይ ጌርካ ንሱ እውን ብዛዕባኻ ኸምኡ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ ኽትፈልጥ ትኽእል፧” በለት።

 ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ምኵሻም፡ ንሓደ ሰብ ብቝም ነገር ዘይደለኻዮ ኽነስኻ፡ ንዕኡ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ብዜርኢ መገዲ ምቕራብ እዩ።

 “ምስ ሓደ ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ክትጅምር ስለ ዝደለኻ፡ ንዕኡ ፍሉይ ቈላሕታ ኽትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ሰብ ንስኻ ኸም እትግደሰሉ ገይሩ ኸም ዚሓስብ ጌርካዮ ኸተብቅዕ፡ ብሃንደበት ብቝም ነገር ደሊኻዮ ኸም ዘይትፈልጥ ብምርኣይ ክትጐድኦ ግና ጌጋ እዩ።”ዲያና።

 ገሊኦም ሰባት ዚኳሸሙ ስለምንታይ እዮም፧

 ገሊኦም ሰባት፡ ስለ ንያቶም ኢሎም ጥራይ እዮም ዚኳሸሙ። ሀይሊ ዝስማ መንእሰይ፡ “ካብ ኣንጻር ጾታኣቓልቦ ኽትስሕብ ከም እትኽእል ምስ እትግንዘብ፡ ዝያዳ ኣቓልቦ ንምርካብ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ” ትብል።

 ንሓደ ሰብ ፍቕራዊ ተገዳስነት ዘይብልካ ኽነስኻ፡ ኰነ ኢልካ ኸምኡ ኸም ዚስምዖ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ስምዒት እቲ ሰብ ምንም ሓልዮት ከም ዘይብልካ ኢኻ እተርኢ። ብዘይካዚ፡ ስለ ንያትካ ኢልካ እናፈለጥካ ኸምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ንናይ ምምዝዛን ክእለትካ ኣብ ሕቶ ኢኻ እተእትዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ንዘይብሉ፡ ዕሽነት ሓጐስ እዩ” ይብል።—ምሳሌ 15:21

 ሀይሊ፡ “ምኵሻም ኣብ ፈለማ ጕድኣት ዘይብሉ ዋዛ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ሓደገኛ መፈጸምታ እዩ ዘለዎ” ኽትብል እምበኣር ሓቃ እያ።

 እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧

  •   ምኵሻም ንስምካ የበላሽዎ እዩ።

     “ተዃሻሚት ሰብ፡ ርእሰ ተኣማንነትን ብስለትን ዘይብላ ጌርካ እያ እትርአ። ብቕንዕና ዘይኰነስ፡ ካባኻ ገለ ነገር ደልያ እትቐርበካ ዘላ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ።”ጀረሚ።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን” ይብል።—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እንታይ ዓይነት ቃላትን ተግባራትን እዩ ኸም ተዃሻሚ ኼፍልጠካ ዚኽእል፧

  •   ምኵሻም ነቲ እትኳሸሞ ሰብ ይጐድኦ እዩ።

     “ተዃሻሚ ምስ ዝዀነ ሰብ እንተ ደኣ ተራኺበ፡ ነቲ ሰብ እቲ ክቐርቦ ኣይደልን እየ። ጓል ኣንስተይቲ ስለ ዝዀንኩ ጥራይ እዩ ምሳይ ዚዘራረብ ዘሎ ማለት እዩ። ዚኳሸሙኒ ሰባት ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደሱ ኣይኰኑን፣ ንርእሶም ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ምግባር ጥራይ እዩ ዜገድሶም።”ጃክሊን።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 10:24

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ሓደ ሰብ ኣባኻ ፍቕራዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ጌርካ ትሓስብ ኔርካስ፡ ጸኒሕካ ግና ኸም እተጋገኻ ተገንዚብካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ድሕሪኡ እንታይ ተሰሚዑካ፧ ንኻልእ ሰብ በዚ መገዲ እዚ ኻብ ምጕዳእ ብኸመይ ክትቍጠብ ትኽእል፧

  •   ምኵሻም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትረክብ ንዘሎካ ኣጋጣሚ የጽብቦ እዩ።

     “ተዃሻሚ ንዝዀነ ሰብ ክትምርዓዎ ወይ እውን ምስኡ ዕርክነት ክትምስርት ፈጺምካ ዚብሃግ ኣይኰነን። ንዜምስል ሰብ ከመይ ገይረ እየ ብሓቂ ኽፈልጦን ክኣምኖን ዝኽእል፧”ኦሊቭያ።

     ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ዝዀነ ዳዊት፡ “ካብ ኣምሰሉታት . . . እርሕቕ እየ” በለ።—መዝሙር 26:4

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ተዃሻሚ ሰብ ንኸመይ ዓይነት ሰብ እዩ ዚማርኽ፧ ንስኻኸ ንኸምኡ ዓይነት ሰብ ዲኻ ኽትማርኽ እትደሊ፧